ኤርትራ፣ ብምጉዕጻጽ ናጽነት ፕረስ ንነዊሕ ዓመታት ዝሓዘቶ ሕማቕ ስም ዓቒባ

Radio Erena: 06 May 2020

ኤርትራ፣ ብምጉዕጻጽ ናጻ ፕረስ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝሓዘቶ ሕማቕ ስም ዓቒባ።

እዛ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ስርዓተ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር፣ ናጻ ፕረስ ብምጉዕጻጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ልዕሊ 16 ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ንኣስታት 20 ዓመታት ደሃዮም ብምጥፋእ’ውን ካልእ ጸሊም ታሪኽ ዝሰነደት ምዃና፣ ብምኽንያት 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ከም ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታትን ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ናጽ ፕረስ፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ኣብ ዝዘርግሕኦ ዝተፈላለየ ሓተታ፣ ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ምዝርባን ዜጋታተን ብሓይሊ ብረት ዝዓበሳ ምዃነን’ዩ ዘረድእ።

ኤርትራ፣ ንሰሜን ኮርያን ቱርኪመንስታንን ጥራይ በሊጻ፣ ብናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 178 ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይካ’ተን ብመንግስቲ ዝውነና ንረብሓ’ቲ መንግስቲ ጥራይ ዘገልግላን ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሬድዮን ቴሌቪዥንን፣ ህዝቢ ሓሳባቱ ብናጻ ዝገልጸሉ ዝኾነ ይኹን ናጻ ማዕከን ዜና ከምዘየለ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ንዝበዝሓ ህዝቢ ዓለምና፣ ሓሳባቱ ብናጻ ክገልጽ ርሒብ ዕድል ዝኸፈተ ከም ፌይስቡክን ቲዊተርን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብኣንጻሩ ሒደት እሙናት ኣገልገልቲ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት’ዮም ብሓለፋ ዝጥቀምሉ።

ኣብ ኤርትራ ብዝሒ ተጠቃሚ ኢንተርነት 1.1% ወይ ድማ ኣስታት 57 ሽሕ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ኣብ ከተማታት ዝርከባ ኢንተርነት ካፌታት’ውን፣ እባ ርእሲ’ቲ ዘለወን ዝሕቱል ዋሕዚ ኢንተርነት፣ ዓማዊለን ብጽኑዕ ክቆጻጸራ ከምዝግደዳ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኤርትራ፣ ንዜጋታታ ናይ ሞባይል ዳታ ኣገልግሎት ኢንትርነት ካብ ዘይፈቐዳ ሒደት ሃገራት ዓለምና’ያ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    20 ዓመት ለለ ተባሂሉ በዚ ጉዳይ። ሳላ ከምኡ ዝተገብረ ድማ ኤርትራና ዘይከምቲ ገበትቲ ሃገራት ብኸምዚ ከማኹም ከድዓትን ከደምቲ ጎረባብቲ ከም በዓል ወያነን ጌሮም ከምቲ ኣብ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡. …. ሕንፍሽፍሽ የእትዮም ረሚሶመን ዘለዉ ሃገራት ዘይኮነትሲ፡ ክብረታን ናጽነታን ሓልያ ትኸይድ ሃገር ኮይና ኣላ። ስለዚ፡ “ጽቡቕ’የ ዘለኹ” ድዩ ኢሉ ዘያማይ? ጽቡቕ ኢና ዘሎና።
    ድሕሪ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ሃገር ዘፍረየቶምን ብህዝብን ሃገርን ዝሕለቑ ጋዜጠኛታት እንተዘይኮይኖም፡ ገደል ይእተዉ ኣይውድልዩናን’ዮም።
    ናይ ብሓቂ፡ ብጋዜጠኛታት ትጣበቑ እንተኾንኩም፡ መጀመርያ ነቲ ባህ ዘይብሎም ሓቀኛ ተግባር እቶም ዘኸድምኹም ምዕራባውያን ጽሒፍካ ተባሂሉ ጥራይ ንዓመታት ዝሳቐ ዘሎ Julian Asaange ተጣበቑሉ።
    ሎሚ ብዛዕባ Julian Assange እንተተዛሪብኩም ግን ንጽባሒቱ ኣብ ዒራ ዒሮ ናይ ኣሜሪካ (Guantanamo) ክትርኣዩ ምዃንኩም ስለትፈልጡ ግን ብጭቕ ኣይትብሉን ኢኹም። እዚ ባህርይ እዚ ድማ ናይ ጋዜጠኛታት ዘይኮነ ናይ ሎቕማጻት ባህርይ እዩ።