ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ ከይምውል ዳይረክተር ኣህጉራዊ ትካል ንሰላም ጸዊዑ

Radio Erena: 13 April 2021

ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ምወላ ከቛርጽ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ትካል ንሰላም ጸዊዑ።

ዳይረክተር ናይቲ World Peace Foundation ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣሌክስ ደ ዋል፣ ኣብ ማዕከን ዜና ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፣ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ ምወላ ዝምልከት ጠለብ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ከምዘቕረበት ብምዝኽኻር፣ እዘን ፊናንሳውያን ትካላት ንጠለብ ኢትዮጵያ ከይቕበላ’ዩ ተማሕጺኑ።

ኣብ ትግራይ፣ ብሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ተደጊፉ ኵናት ዘካየድ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትካላት ንግዲ፣  ፋብሪካታትን ማእከላት ሕክምናን ዘተኮረ ልምዓታዊ ጽላታት ከቢድ ዕንወት ከምዝፈጸመ ዝወቕስ እቲ ዳይረክተር፣ ብስም ልምዓታዊ መደባት ምወላ ይኹን ሓገዝ ክሓታት ቅኑዕ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ተሸላሚ ስልማት ናይ ሰላም ኖቤል ብዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንጥሜት ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ሓያሎ ትካላት ይወቕሳ’የን።

ኢትዮጵያ፣ ብስም ልምዓታዊ መደባት፣ ካብ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘባን፣ ቢልዮናት ዶላር ልቃሕን ምወላን ካብ ዝረኽባ ቀዳማት ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0