ኢትዮጵያ፣ ንዲጋ ተሃድሶ ካልኣይ እዋን ማይ እትመልኣሉ ዝርዝራት ንሱዳን ከተፍልጥ ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 12 April 2021

ኢትዮጵያ፣ ንዲጋ ተሃድሶ፣ ካልኣይ እዋና ማይ እትመልኣሉ ዝርዝራት ንሱዳን ከተፍልጥ ምዃና፣ ንምንጭታት ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ- ኣናዱሉ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣመላልኣ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ዝርዝራቱ ንሱዳን ከፍልጥ ዝወሰነሉ፣ ብወገን ሱዳን ንዝወርዶ ዘሎ ጸቕጢ ንምፉዃስ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ምይይጥ ከምዘካየዱ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ብዘይኣፍልጦን ስምምዕን ሱዳንን ግብጽን ንዲጋ ተሃድሶ ንምምላእ በይናዊ ስጉምቲ እንተወሲዳ፣ ሱዳን ከምተጻብኦ ከምእትርዮ’ያ ተጠንቅቕ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን’ውን ግጭት ከፊተን ስለዝርከባ፣ ምትፍናን ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

ሱዳን፣ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ንዘንጸላልዋ ጸጥታዊ ድሕነት ንምውጋድ፣ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣስታት 4000 ኢትዮጵያውን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክወጹ ንሕቡራት ሃገራት ሓቲታ ኣላ።

ሱዳን ብዘይካ’ዚ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ተጻብኦታት ንምምካት፣ ምስ ግብጺ ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ከቲማ ከምዘላ ‘ዩ ዝግልጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0