ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምምዳቡ፣ ግዜኡ ኣይኮነን ክብል ኮሚሽን ኤውሮጳ ተቓውምኡ ኣስሚዑ

Radio Erena: 19 April 2022

ብሰንኪ ኵናት፣ ዜጋታታ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሕሰምን መነባብሮን ተቓሊዖም ዘለው ኢትዮጵያ፣ ንህጹጽ ሓገዝ ዝኸወን ረድኤት ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ኣካላት ይውሕዘላ ኣላ።

ባንክ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር፣ ነዚ ዕላማ እዚ ምምዳቡ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዛት ዝኸውን ኣፍደገታት ብዘይገደብ ምኽፋቱ ከይተረጋገጸ፣ ባንክ ዓለም ክንዲዚ ዝኣክል ገንዘብ ምምዳቡ፣ ግዜኡ ከምዘይኮነ ኣፈኛ ኮሚሽን ኤውሮጳ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ደቬክስ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገደብ ክኣቱ ከምዝፈቐደ ዘረጋግጽ መርትዖ ክሳብ ዝርከብን ተበግሶ መስርሕ ሰላም ሓደ ኣንፈት ክሳብ ዘርእን፣ ሓገዝ ባንክ ዓለም ክጸንሕ ኣለዎ በሃላዩ እቲ ኮሚሽን።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ኣትዩዎ ዘሎ መብጽዓ፣ ነቲ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ብዙሕ ገበናት ፈጺሙ ዝብሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተባብዕ ከይከውን፣ እቲ ኮሚሽን ስግኣቱ ገሊጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0