ማሕበር ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ዋሽንግተን፣ ኣብ ካይሮ ንእትርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራ፣ ኣስታት 4 ሽሕ ዶላር ሓጊዞም

Radio Erena: 18 April 2022

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዋሺንግተን ዲሲ ዝቖመት፣ ማሕበር ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ዋሽንግተን(EESA)፣ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ንእትርከብ፣ ስደተኛታት ኤርትራ እተምህር ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ንምሕጋዝ ኣስታት 4 ሽሕ ዶላር ከምዘዋጽኡ፣ በታ ዩኒቨርሲቲ እትሕተም ጋዜጣ The GW Hatchet ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ፣ ብ18 ሚያዝያ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እታ ማሕበር፣ ናይ ድራር ምሸት ብምድላው፣ ባና ንዝተሰምየት ንኤርትራውያን ቆልዑ እተምህር፣ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ፣ ቀጻልነታ ንምውሓስ፣ ዘድሊ ናውቲን መኽፈሊ ደሞዝ መማህራንን ዝኸውን ገንዘብ ከምዘዋህለለት ገሊጻ።

እቲ ዝተዳለወ ናይ ድራር ምሸት፣ ኣብ ታሪኽ እታ ማሕበር ብዓይነቱ ዝተፈልየን ዝደመቐን ምንባሩ፣ ወደብቱ ኣገንዚቦም።

ፕረዚደንት ናይታ ማሕበር፣ ነዲን ኣሕመድ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ ኣብዚ ዓመት ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ መደብ ከምዝነበሮም ብምጥቃስ፣ ብመንገዲ’ቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ዝሕግዝ – American Team for Displaced Eritreans ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ምስ ተላለዩ፣ ነታ ኣብ ካይሮ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ስደትኛታት ንምሕጋዝ ከምዝተበገሱ ኣረዲኣ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ብቋንቋ ኣደ እናምሃረት ስድራቤታት ብኮም ንኽሕቖፉ ከም መራኸቢ ተገልግል ምህላዋ ጠቒሳ።

ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 150 ኤርትራውይን ቆልዑ ናይ መባእታ ትምህርቶም ይከታተሉ ምህላዎም እቲ መርበብ ይሕብር።

ኣብ ዓመተ 2021፣ ኣብ ግብጺ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው፣ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የነጽር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0