ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን ምትዕንቓፍ ከጋጥሞ ንዝኽእል ሸመተ ስርናይ፣ ናይ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ምወላ ምድላዉ ገሊጹ

Radio Erena: 17 March 2022

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን ምትዕንቓፍ ከጋጥሞ ንዝኽእል ሸመተ ስርናይ፣ ብሕርሻ ኣፍሪቃ ንምትካእ ናይ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ምወላ የዳሉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

በቲ ዝዳሎ ምወላ፣ ኣስታት 40 ሚልዮን ሓረስቶት ኣፍሪቃ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሰነየ ሕርሻ ስርናይ ብምትእትታው፣ እኹል ምህርቲ ክሓፍሱ ተኽእሎ ከምዘሎ ፕረዚደንት ናይቲ ባንክ፣ ኣኪንዉሚ ኣደሲና ገሊጹ።

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዓመታዊ ካብ ሩስያ ካብ ዝሽምታኦ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዕድጊ፣ ስርናይ ብ90% ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ።

ካብ ዩክሬይን’ውን ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ ስርናይ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክሽመት ከምዝጸንሐ ጸብጻባት ቁጠባ የረጋግጽ።

እዚ ማለት ኣስታት 200 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኣፍሪቃ፣ መግብታቱ ካብ ሩስያን ዩክሬይንን ካብ ዝሽመት ስርናይ ‘ዩ ክረክብ ጸኒሑ።

ኵናት ሩስያ-ዩክሬይን፣ ነዚ ዕዳጋታት ኣሰናኺሉ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ሩስያ ድማ መግቢ ንምኽዛን፣ ኣእካል ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይሽየጥ ምስ ምእዋጃ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዋሕዲ ስርናይ ከኸትል ከምዝኽእል ይግለጽ።

ገና ብመግቢ ርእሳ ዘይክኣለት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ብሰንኪ ኵናት ሩስያ ዩክሬን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ሸመተ ስርናይ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ዞባታታ’ውን ንዓጸቦ ተቓሊዑ ምህላዉ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0