እገዳን ጸቕጢን ዝበዝሓ ሩስያ፣ መግብታት ንምኽዛን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርዩ ኣእካል ናብ ወጻኢ ከይሽየጡ ኣዚዛ

Radio Erena: 17 March 2022

ሩስያ፣ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኵናት ድሕሪ ምኽፋታ፣ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ንግዲ፣ ቁጠባን ዘተኮረ እገዳታት በብግዜ የውሕዛላ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

እዛ ሃገር፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ባንክታታን ንግዳዊ ልውውጥን ፈጢርዎ ዘለዎ ነውጺ ንምምካት፣ ኣታኣታትያቶ ዘላ ኣዋጃት ምቅንስቓስ ናይ ወጻኢ ባጤራን ካልእ ቁጠባዊ ስጉምታትን፣ መግቢ ንምኽዛን’ውን እተፍርዮ ኣእካልን ናብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ምሻጥ ደው ምባላ ገሊጻ ኣላ።

በዚ መሰረት፣ ከም ስርናይ፣ ስገም፣ ዕፉን ይኹን ሽኮርን ካልእ መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራትን ናብ ወጻኢ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ናብ ኤውሮጳ፣ ምዕራባውን ማእከላይን ኤስያን ከይሽየጥ ኣዊጃ።

እዚ ናይ ሩስያ ኣዋጅ፣ ብዘይካ’ቲ መግቢ ንምኽዛን ዝህልዎ ዕላማ፣ ኣንጻራ ደው ንዝበላ፣ ካብኣ ስርናይ ክሽምታ ዝጸንሓ ሃገራት ከም መፈራርሒ ‘ውን ትግልገለሉ ምህላዋ ተንተንቲ የረድኡ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኣዋጅ ምእጋድ መሸጣ ኣእካል ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ።

ኣቐዲማ፣ ካብ ባንክታት ሩስያ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ወይ ኤውሮ ከይንቀሳቐስ ኣዊጃ እትርከብ ሩስያ፣ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ተወሳኺ ቁጠባዊ እገዳታት እንተንቢረን፣ ተወሳኺ ኣዋጃት ከተውጽእ ከምእትኽእል ይግለጽ።

ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ካብ ምሽማት ጠቕሊለን ክሕሰማ ኣብ ዝብል ነጥቢ ተደጋጋሚ ዘተ የካይዳ እኳ እንተለዋ፣ ከም ጀርመን ዝኣመሰላ፣ ኣስታት 50% ጋዝ ካብ ሩስያ ዝረኽባ ሃገራት ግና ዕቃበታት ኣለወን።

ኣብ ዕዕሊ ባንክታት ሩስያ እገዳ ዘንበራ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን፣ ነተን ምስ መሸጣ ነዳዲን ጋዝን ምእትእስሳር ዘለወን ከም ጋዝፕሮም ዝኣመሰላ ሒደት ባንክታት ግና፣ ዕዳጋታት ነዳዲ ከይሰናኽል ብምባል ዛጊት እገዳ ኣየንበራሉን።

ተስፋ ሂቡ ዝብሃል ዘሎ ዘተ ሰላም ሩስያን ዩክሬይንን እንተፈሺሉን፣ ሩስያ ድማ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እንተቐጺላቶን ግና፣ ሩስያ ናብ ምሉእ እገዳ ክትወድቕ ከምእትኽእል ይትንተን።

ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ምሉእ እገዳ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ፈጡርዎ ዘሎ ናህሪ፣ ዕዳጋታት ዓለም ናብ ዘይምርግግጋእ ከምርሕ ከምዝኽእል ‘ውን ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0