ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ብፈደረሽን ክቑረና የማዕድዋ

Radio Erena: Monday, 04 December 2023

ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ብዓርቢ ሓደ ታሕሳስ ተራኺቦም ናይ ክልተ መዓልቲ ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ቀረባ መጻኢ ሃገራቶም ብፈደረሽን ተቖሪነን መንግስቲ ዝምስርታሉ መገዲ ከማዕድዋ ተሰማሚዖም::

እቶም ሚኒስተራት ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ባማኮ – ማሊ ተራኺቦም ዝገበርዎ ዝርርብ ሃገራቶም ኣብ ዲፕሎማሲ: ምክልኻልን ምዕባለትን ሓቢረን ክሰርሓን ኣብ መጻኢ ፈደረሽን ክምስርታ ዘኽእለን ማዕበራትን ኮምፈደረሽንን ክምስርታ ተረዳዲኦም::

እቶም መራሕቲ ብተወሳኺ ናይ ጸጥታ ምርግጋእ ማዕከን: ናይ ወፍሪ ባንኪን እተን ሃገራት ብኸመይ ክሓብራ ይኽእላ ዘጽንዕ ኣካልን ከቑማ እየን: እዚ ክኸውን ግን እቲ መደብ መጀመርታ ብመራሕቲ እተን ሃገራት ክጸድቕ ምኳኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሊ ኣብዱላየ ድዮፕ ገሊጹ::

ሃገራት ቡርኪናፋሶ: ማሊን ኒጀርን ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ኣብ ስልጣን ኮፍ ብዝበሉ ወተሃደራውያን መራሕቲ እየን ዝመሓደራ ዘለዋ::

እዘን ሃገራት ኣቐዲመን ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውዕል ክፍርማ እንከለዋ መዓስ ናብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕቲ ክርከባ እየን ኣብ ዝብል ንጹር መደብ የብለንን::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0