ቀይሕ ባሕሪ: ሑቲ ተወሰኽቲ መራኽብ ‘እስራኤል’ የጥቅዑ

Radio Erena: Monday, 04 December 2023

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዕጡቓት ሑቲ የመን: ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቡብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ‘ናይ እስራኤል እየን’ ዝበልወን ናይ ንግዲ መራኽብ ናይ ድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ኣካይዶም::

በቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ መርክብ ዕዙዝ ጉድኣት ወሪድዋ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከንጸላልዋ እንከሎ እታ ካልኣይቲ ግን መጠናዊ ቀሊል ጉድኣት ከምዝወረዳ ተገሊጹ::

ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓይሊ ባሕሩ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዝተዋህበን መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዝበላ መራኽብ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ክእመን እንከሎ እዚ ዝተገብረ ህዝቢ የመን ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ደው ከምዝብል ንምርኣይ ከምዝኾነ ሓቢሩ::

ድሕር’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊራ ዘላ ካርኒ (Carney) ዝተባህለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ውግእ መርከብ ግብረመልሲ ከምዝሃበትን ሰለስተ ድሮናት ከምዘውደቐትን ተገሊጹ::

ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እተን መጥቃዕቲ ዝተኻየደለን መራኽብ ሰለስተ ከምዝኾና ብምግላጽ ምስ እስራኤል ዝኾነ ርክብ ከምዘይብለን ሓቢሩ::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0