ቡርኪናፋሶ፣ ናብ ወትሃደራዊ ምልኪ ዶ ወይስ ናብ ደሞክራሲ?

ቡርኪናፋሶ፣ ናብ ወትሃደራዊ ምልኪ ዶ ወይስ ናብ ደሞክራሲ?

Radio Erena: 04 November, 2014

Zida

ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ብሌዝ ካምፓኦረ ብዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ግዝያዊ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ኣብ ስልጣን ደይቡ ዝርከብ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኮለነል ኢሳቕ ያቆብ ዚዳ፣ ስልጣኑ ብህዝቢ ንዝተመርጸ መራሒ ከረከብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ምስቲ ካብ ስልጣን ዝተኣልተ ብሌዝ ካምፓኦረ ቀረባ ምሕዝነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ኮለነል ዚዳ፣ ናይ ሰራዊት ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ ብምርግጋጽ ንስልጣን እቲ ፕረዚደንት ከምዝተረከቦ እኳ እንተገለጸ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ግና ፕረዚደንታዊ ስልጣን ብምርጫ ናብ ዝመጸ መራሒ ክሰጋገር ብምጥቃልብ እቲ ናዕቢ ይቕጽሎ ኣሎ።

 

ኮለነል ዚዳ፣ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ብግዝያውነት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እኳ እንተሓተተ፣ ህዝቢ ቡርኪናፋሶ ግና፣ ኣብ ወትሃደራውያን መራሕቲ እምነት ስለዘጉደለ፣ እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ብዝቐልጠፈ ካብ ስልጣን ክእለ ብምጥላብ ከተማ ኡጓዱጉ ናዕቢ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሰራዊት ቡርኪናፋሶ፣ ንሰልፈኛታት ንምብታን ጎነጽ ይጥቐም ከምዘሎ እኳ እንተተሓበረ፣ ድሕሪ ምእላይ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ዝተቐተለ ሰብ ከምዘየለ’የን ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ዘመልክታ።

ጎረባብቲ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፣ ኣባላት ሃገራት ኤካዋስን ሕብረት ኣፍሪቃን ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ሰራዊት እታ ሃገር ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ብዝቐልጠፈ ምርጫ ክእውጅ ጸዊዖም።

ቡርኪናፋሶ፣ ካብ 1983 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ብዝመጹ ክልተ መራሕቲ ጥራይ’ያ ክትመሓደር ጸኒሓ።

ቡርኪናፋሶ ካበይ ናበይ?

ኣብታ ንሽዱሽተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘዳወበት ቡርኪናፋሶ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ህዝባዊ ናዕቢ ምክያዱ፣ ነቲ ብምስፍሕፋሕ ኢቦላ ኣብ ሻቕሎት ዝጸንሐ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ስግኣት ፈጢርሉ ይርከብ።

ሀገረ ቡርኪናፋሶ እንክትልዓል፣ ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ እናተባህለ ዝጥቐስ፣ መራሒ እታ ሃገር ቶማስ ሳንካራ ብቀዳምነት ካብ ዝልዓሉ ዜጋታት እታ ሃገር ምዃኑ እዚ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ፍጻሜ ዝመስክሮ ሓቒ’ዩ።

ቶማስ ሳንካራ፣ ናይ ቀረባ ዓርኪ እዚ ሕጂ ብህዝባዊ ናዕቢ ስልጣኑ ክለቐቕ ተቐሲቡ ዘሎ ብሌዝ ካምፓኦረ ምንባሩን፣ ብውዲት ፈረንሳን ኣመሪካን ከኣ ብገዛእ ዓርኩ ዝተጠልመን እሙን መራሒና’ዩ ክብሉ’ዮም – ብቡርኪናበ ዝፍለጡ ዜጋታት ቡርኪናፋሶ ዝገልጽዎ።

ቶማስ ሳንካራ፣ ነቲ ምስ ገዛእቲ እታ ሃገር ንዝነበሩ ሓይልታት ብሪጣንያን ፈረንሳን ጥቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮን ነታ ሃገር ናብ ኢዱ ኣዙር መግዛእቲ ዘውደቃን መንግስቲ ዕልዋ ብምክያድ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነታ ምስላን ስማን ተደዊኑ ዝነበረት ሃገር፣ ሓድሽ ተስፋ ዝሃበን ካብቲ ብገዛእቲ ሓይልታት ዝተዋህባ ሪፑብሊክ ኦፍ ኣፐር ቮልታ ዝብል ስም ከኣ ናብ ቡርኪናፋሶ ዝለወጠን’ዩ።

ቶማሳ ሳንካራ ኣብ 1983 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣንጻር ረብታት ምዕራብ ደው ክብል ስለዝተባህለ፣ ነቲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ብሌዝ ካምፓኦረ ስልጣኑ ከውሕሳሉ ምዃነን ብምስምማዕ፣ ገዛእ ዓርኩ ክሳብ ምቕታል ደፋፊኤንኦ።

ኣብ ኣብ 1987 ንገዛእ ዓርኩ ብምቕንል ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ናብ ስልጣን ዝመጸ ብሌዝ ካምፓኦረ፣ ነዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ነታ ንይምሰል ክልተ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከካይድ እኳ እንተኸኣለ፣ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ደኣ’መብር ስልጣን ንምስግጋር ዝዓለመ ከምዘይነበረ ካብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ኣይተኸወለን።

እታ ንሓያሎ ዓመታት ገዚኣታ ዝነበረት ፈረንሳ’ውን ንረብሓታታት ዝጻረር ክሳብ ዘይኮይነ፣ ኣብ ቡርኪናፋሶ ጥራይ ዘይኮነ ኣብተን ካልኦት ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት’ውን ደሞክራሲ ሃልዩ ኣይሃልዩ፣ ህዝቢ ብፍትሒ ተመሓዲሩ ኣይተመሓዲሩ ኣይንታያን’ዩ።

ብሌዝ ካምፓኦረ፣ ስልጣን ደኣ ጨቢጡ’ምበር፣ ነታ ሃገር ናብየናይ መኣዝን ክመርሓ ምኻኑ ዝውስን ሓይሊ ኣይነበሮን። እዚ ኣካይዳ’ዚ ከኣ ነታ ካብ እዋን ናጽነታ ካብ ፈለማ 1960ታት ካብ ጽልዋን ዓብላልነትን ፈረንሳን ክትገላገል ዘይክኣለት ቡርኪናፋሶ፣ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ምልክን ድኽነትን ክገላግላ ኣይከኣለን።

ካምፓኦረ ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ስልጣን፣ እንደገና ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ሓድሽ ቅዋም ብምንዳፍ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ ግዜ ከኣ ህዝቢ እታ ሃገር ቡርኪናበ ይኣኽለኻ ክብሎ ተሰሚዑ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉዳይ ምስግጋር ስልጣንን ምርጫን እንተተላዒሉ፣ ቀዳማይ ከመዛብልዎ ዘንቕድሉ ቅዋም’ዩ። ኣብ ኤርትራ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ብተሳትፎ ህዝቢ ኣብ 1997 ዝተነድፈ ቅዋም ጉሒፉ፣ ሓድሽ ቅዋም ከዳሉ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ንህዝቢ ምሕባሩ፣ ካብ ባህርያት መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፍለዮ ነገረ ከምዘይብሉ ብወግዒ ዘበሰረሉ ዕለት’ዩ።

ቡርኪናበ፣ ኣብ ሓጺር ግዜን ብሓያሎ ናዕብን ስለዝተላዕሉ፣ ፕረዚደንት ካምፓኦረ፣ ከምቶም ቅድምኡ ዝነበሩ ውልቀመለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳብ መወዳእታ ክረባረብ ኣይመረጸን። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ናይቲ ተቓውሞ ስልጣኑ ክሓድግ ተቐሲቡ።

ኣብዚ ኣበርክትኦ ሰራዊት ክምስገን ዝግብኦ እኳ እንተኾነ፣ ሰራዊት ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቑሙ ናብ ስልጣን ከይመጽእ’ውን ካልእ ሻቕሎት’ዩ።

ሰራዊት ቡርኪናፋሶ፣ ምስ ህዝቢ ብምውጋን ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ናይ ስልጣን ሃጓፍ መሊኡ፣ ብዝግያውነት ነታ ሃገር ከምርሕ ጀሚሩ ኣሎ። ይኹን’ምበር ህዝቢ እታ ሃገር እቲ ብግዜያውነት ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ ኣዛዚ ሰራዊት ኮለነል ዚዳ፣ ምስቲ ተገሊፉ ዘሎ ፕረዚደንት ነበረ ካምፓኦረ ቅርበት ስለዝነበሮ ክኣምኖ ኣይከኣለን ዘሎ።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ብዝቐልጠ ብዝህቢ ናብ ዝተመርጸ መራሕ መንግስቲ ስልጣን ከሰጋግር ድፍኢት ንምግባር ከኣ ቡርኪናበ ናዕቢ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

ቡርኪናፋሶ፣ ናብ ምልኪ ዶ ናብ ደሞክራሲ ገና ሕጂ’ውን ኣብ ቀራና መንገዲ’ያ ትርከብ።

እዚ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ግና ነቶም ብሕጋዊን ሰለማውን መንገዲ ስልጣን ናይ መስግጋር መደብ ዘይብሎም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ መጠንቐቕታ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ዝገልጽዎ ዘለዉ’ዩ።

ስልጣን ብሰለማዊ መንገዲ ዝሰጋገረሉ መስሕን ባይታን ኣብ ዘይተነጽፋ ሃገር፣ መራሒ ዝእለየሉ እንኮ ኣማራጺ ሞት ወይ ከኣ ጎነጽ ምዃኑ’ውን ቡርኪናፋሶ ናይ መጀመርያ ኣብነት ኣይኮነትን።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፣ ብምርጫን ይኹን ካልኣ ኣገባብ ስልጣን ንምስግጋር ዝሓንገዱ መራሕቲ ብዝህባዊ ናዕቢ ዝተገለፉ፣ ቀዳማይ እቲ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ሊብያ ሙዓመር ቀዛፊ ክኸውን እንከሎ፣ ሑስኒ ሙባረ ናይ ግብጺ፣ ቤን ዓሊ ናይ ቱኒዝያን፣ ሎረን ባግቦ ናይ ኮት ዲ ቫኽን፣ ብሌዝ ካምፓኦረ ከም መጠንቐቕታ ክጥቐመሎም ብዘይምኽኣሉ ንሱ’ውን ኣሰሮም ክስዕብ ተገዲዱ ኣሎ።

እዚ ንብሌዝ ካምፓኦረ ዝለብለበ ህዝባዊ ናዕቢ 23 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ካልኦት መለኽቲ ኣፍሪቃ ኣብ ቤቶም ተወሊዑ ክሳብ ዝልብልቦም ከይተጸበዩ ስልጣን ንምስግጋር ባይታ ንምጥጣሕ ዝጥንቐቕሉ ዕድል ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብምልኪ ዘልኣለም ስልጣን ብሒቱ ዝነበረ ዝኾነ መራሒ ከምዘይለ’ውን ደጊሞም ክሓስብሉ ዝግባእ ኣጋጣሚ’ዩ ህዝባዊ ናዕቢ ቡርኪናፋሶ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0