“ውሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞ!” ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ

“ውሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞ!” ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ

Radio Erena: 04 November, 2014

Bira

ኣብ ኤርትራ ሓያሎ ክዝረበሉ ዝኽእል ማሕበራዊ ሕሰም እናሃለወ፣ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንኣዋርሕ ዝኣክል ብዝዕባ ወሰኽ ዋጋ ቢራ ተደጋጊሙ ክጸሓፍ ዓገብ ምዃኑ ሕጂ’ውን ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረና ነቒፎም።

እቶም ነዚ ነቐፌታ’ዚ ዝልኣኹ ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረና፣ ኣቐዲሞም’ውን ተመሳሳሊ ነቐፌታ ልኢኾም ምንባሮም ብምዝኽኻር፣ እንተኾነ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታማ ብዛዕባ ወሰኽ ቢራን ባራትን ክትዛረብ ምምራጻ፣ ሚኒስትሪ ዜና ካብ ኣውራ ጉዳያት ህዝቢ ንምህዳም ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ምዃኑ ዘጉልሕ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

እኹል ጸባን ባኒን ኣብ ዘይተረኽባ ኤርትራ፣ ወሰኽ ዋጋ ቢራ ዝልዓለ መዘራረቢ ኮይኑ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ደጋጊሙ ምቅልሑ፣ ክከዓብ ዝግብኦ ተግባር’ዩ ክብሉ’ውን ወቒሶም።

 

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ 3 ሕዳር 2014 ሕታማ፣ ‘ወሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ርእቶ ሰማዕቲ ኣብ ዘቕረበቶ ትሕዝቶ’ውን ብዛዕባ ወስስስሰኽ ዋጋ ቢራን ባራትን ኣስፊራ ከምዘላ ብኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ተኸታተልቲ፣ እቲ ምስላ ብግምጣሉ ንሚኒስትሪ ዜናን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ከምዝልከት’ውን ኣገንዚቦም።

እቶም ተኸታተልቲ ኤረና ኣቐዲሞም ኣብ ዝልኣኽዎ ተመሳሳሊ ርእይቶ፣ ህዝቢ ርእቶኡ ብናጻ ክጽሕፍ እንተዝፍቀዶ፣ ካብ ወሰኽ ዋጋ ቢራን ባራትን ንላዕሊ ካልኦት ክዛረበሎም ዝደሊ ማሕበራዊ ሕሰም ከምዘለዉ ብምምልካት፣ በንጻር እዚ ግን፣ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ደብዳቤታት ኣንበብቲ እቲ ብተደጋጋምን ዝበዝሐ እዋንን ሸፈነ ዝተዋህቦ፣ ብዛዕባ ወሰኽ ዋጋ ቢራን ባራትን ምዃኑ ኣረዲኦም።

ቢራ ብ11 ናቕፋን 50 ሳንቲምን ተኸፋፊሉ ኣብ ባራት ከኣ ብ14 ናቕፋ ክሽየጥ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ እኳ እንተኾነ፣ ወነንቲ ባራት ካብ 30 ክሳብ 50 ናቕፋ ይሸጥዎ ኣለዉ ዝብል’ዩ ዝበዝሐ እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ደብዳቤታት ኣንበብቲ ዝቐረብ ርእይቶታት።
 
በንጻር እዚ ግና ንሓደ ሊትሮ ጸባ እንተተረኺቡ ክሳብ 25 ናቕፋ ዝሽየጠሉ እዋነት ከምዘሎን ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ’ውን ብቦጣት እኹል ዝስተ ማይ ከምዘይረኸበንን እቶም ተኸታተልቲ ኣዘኻኺሮም።

ንሓንቲ ባኒ’ውን ክሳብ 3 ናቕፋ ትሽየጥ ምህላዋ ብምጥቃስ ከኣ፣ ቆልዑ እኹል ባኒን ጸባን ዘይምርካቦም ንጎኒ ተጎስዩ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብቲ ተረፍ ጽጋብ ከብዶም ርኹባት ዝሰትዮዎ ቢራን ባራትን ክንድዚ ኣተኩሮ ምሃባ ዓገብ’ዩ ክብሉ ነቒፎም ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0