ቡርኪናፋሶ፣ ቢቢሲ፣ ድምጺ ኣመሪካን ካልኦትን ንጥፈታተን ደው ከብላ መምርሒ ወጽዩ

RADIO ERENA – Friday, 03 May 2024

ኣብ ቡርኪናፋሶ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ዜና ንዘይተወሰነ ግዜ ንመንግስቲ እታ ሃገር ከም ዘቋረጻ፣ ብተቖጻጻሪ ርክባት ሲኤስሲ ብሰንበት 28 ሚያዝያ ዝተዋህበ መግለጺ ሓቢሩ።

እተን ኣህጉራውያን ትካላት ሜድያ ከም ዶቸ ቬለ ናይ ጀርመን፣ ጋዜጣ ፈረንሳ ለ ሞንድ፣ ናይ ብሪጣንያ ዘ ጋርድያን፣ ቲቪ5 ሞንድን ካልኦትን ይርከብአን።

እዘን ዝተጠቕሳ ማዕከናት ዜና፣ ሰራዊት ኣንጻር ዕጡቓት ጀሃድ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ጸብጻብ ብምሃበን’ዩ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ትሕዝቶታተን ከይዝርጋሕ ኣጊዱ።

ተቖጻጻሪ ርክባት ቡርኪናፋሶ ሲኤስሲ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንቢቢሲ፣ ድምጺ ኣሜሪካን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ትሕዝቶታተን ካብታ ሃገር ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ደው ከብል መምርሒ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ቡርኪናፋሶ፣ ካብ 30 መስከረም 2022 ኣትሒዙ ብዕልዋ ስልጣን ጨቢጡ ብዝርከብ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ እያ ትመሓደር።

ብካፕቴን ኢብራሂም ትራኦረ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጁንታ ቡርኪናፋሶ፣ ኣብታ ሃገር ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ክፈጥራ ይኽእላ’የን ንዝበለን፣ ከም ዠን ኣፍሪክ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ንጥፈታተን ደው ከብላ ኣቐዲሙ ኣዚዙ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0