ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዓመጽ ደቂንስትዮ ዝከላኸል ሕጊ ብሕብረት ደረጃ ኣጽዲቑ

RADIO ERENA – Friday, 03 May 2024

ፓርላማ ኤውሮጳ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምምካት ሕግታት ናይቲ ሕብረት ኣጽዲቑ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ንምክልኻልን ግዳያቱ ብፍላይ ድማ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ 1 ግንቦት ዝተወስደ ድምጺ፣ ካብ ተሳተፍቲ፣ 522 ደጊፎም ክገልጹ እንከለዉ፣ 27 ተቓዊሞሞ፣ 72 ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ጌሮም።

እዚ ድማ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ዘቤታዊ ዓመጽን ንምክልኻል ዝቖመ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝካየድ ናይ ሳይበር መጥቃዕትታት፣ ስጉምትታት ክውሰድ፣ ንግዳያት ዝሓሸ ሓገዝ ክግበርን ዓመጽ ንምክልኻል ዝሕግዙ ተበግሶታት ክውሰዱን ይጽውዕ።

ብተወሳኺ እቲ ሓባራዊ ሕጊ ምኽንሻብን ግዱድ መርዓን ዝኽልክል ኮይኑ፣ ብኢንተርነት ንዝፍጸሙ ገበናት፣ ከም ምቅላዕ ብሕታዊ ሓበሬታ ዝኣመሰሉ ፍሉይ መምርሒታት ዘቕርብን እዩ።

ወሃቢት ቃል ኮሚተ መሰላትን ጾታዊ ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ፍራንቸስ ፊትዝጀራልድ፣ ‘ሎሚ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ዘወገደት ፈላመይቲ ኣህጉር ንምግባር ቀዳሞት ስጉምትታት ወሲዱ ኣሎ’ ክትብል ገሊጻ

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0