መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ክሳብ ሕጂ  ብቃሎም ይኹን ብጽሑፍ ዝገለጽዎ ነገር የለን ይብል

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ክሳብ ሕጂ ብቃሎም ይኹን ብጽሑፍ ዝገለጽዎ ነገር የለን ይብል

Radio Erena: 17 July 2017

Abune Antonios

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ንዕርቂ፣ ሰላምን ድሕነትን ቤት ክርስትያን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ተዋህዶ ዶት ኦርግ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ብዕለት 11 ሓምለ 2017 ዝወጸ መግለጺ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፥ ንዕርቂ፥ ንሰላምን ድኅነትን ቤተ ክርስቲያን ኣንፈት ዝህብ ጽቡቕ ጅማሮ ምዃኑ ብምእማን፥ እቲ ጅማሮ፥ ኣዝዩ ከም ዘሕጎሶን ንሓቀኛ ዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከም ብመትከል ከምዝድግፍ ብምርግጋጽ ሓጎሱ ገሊጹ።

እንተኾነ፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ብቃሎም ይኹን ብጽሑፍ ዝገለጽዎ ነገር ስለዘየለ፥ ኣብ ስልጣን ፓትርያርክነቶም ኮይኖምቃሎም ክህቡ፥ ዝተነብረ ውግዘት ከልዕሉ፥ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ ሓዋርያዊ ስልጣን መንበሮም ተረኪቦም ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ብሓርነት ክጓስዩ እቲ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ጸዊዑ።

ምእንቲ ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከይሰልከዩ ዝጸዓሩ ገዳማውያን ኣቦታት፥ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ብሓፈሻ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ንዕርቅን ሰላምን ዝገበርዎ ጻዕሪ ብምምጓስ፥ ዝተጀመረ ዕርቂ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ጸሎትን ጻዕርን ክቕጽል ተላብዩ።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ቃል ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ሰምዐ ንህዝቢ ምሉእ መግለጺ ክህብ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፣ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ በብምዕራፍ ንነዊሕ እዋን፣ ብመንገዲ ስምረት ገዳማትን ጉባኤ ሊቃውንትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ሳልሳልይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብ11 ሓምለ፣ ኣቡነ እንጠንዮንስን ተወከልቲ ስምረት ገዳማትን ጉባኤ ሊቃውንቲን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ሲነዶስ ብዕርቂ ብሰላም ከምዝተፈጸመ’ዩ ዝገልጽ።

ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ቤት ክርስትያን ዓሚ፣ኣብ 8 ነሓሰ 2016 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ድሕሪ ዝተገብረ ነዊሕ ዝርርብን ዓሚቕ ዘተን ባዕሎም ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ፓትርያርክ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዝፈጸምዎን ምኽንያት መውረዲኦም ዝኾነን ጌጋታት ሓደ ብሓደ ብምጥቃስ፣ “እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝገብርክዎ ጌጋ ምዃኑ እናገለጽኩ ንቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ንቅዱስ ሲኖዶስን ብልቢ ይቕሬታ ይሓትት፣” ብምባል ብቃልን ብጽሑፍን መረጋገጺ ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ከፍልጡ እንከለዉ፣ “ብፍቕርን ስኒትን ሓቢረ ክጓዓዝ ፈትየ ብምሉእ ልበይን ድሌተይን ይቕሬታ ዝሓተሉ ዘለኹ ምዃነይ ደጊመ ብዝተለምደ ክታመይ አረጋግጽ፣” ብምባል ሓቀኛ ኣባታዊ ተግባር ፈጺሞም ክብል ምግላጹ ይዝከር።

ኣቡነ እንጠንዮን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ  ብቓሎም ይኹን ብጽሑፍ ዝሃብዎ መግለጺ የለን።

ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ብዛዕባ’ዚ ብመንበረ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን ዝተዋህበ መግለጺ ይኹን ብዛዕባ ናብ መንፈሳዊ ስልጣን ምምላሶም ብዝምልከት ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ’ውን የለን።

ድሕሪ ምእሳር ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት፣ ክፍሊ ሃማኖታዊ ጉዳይ ክትመሓደር ዝጸንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፣ ብሰንኪ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

እቶም ሓደ ወገን፣ ነቲ ብህግደፍ ዝድገፍን ብሃገራዊ ድሕነት፣ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝእለን ጉጅለ ጳጳሳት ክድግፉ እንከለዉ፣ እቶም ካልኦት ከኣ ብዘይሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ተኣልዮምኣብ ማእሰርቲ ንዝርከቡ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንፈሳዊ ስልጣኖም ተመሊሶም፣ ቤት ክርስትያን ብዘይምትእትታው ህግደፍ ክትምራሕ ዝጽውዑ’ዮም።

Let 1

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0