ኤርትራ፣ ምስ መሽእርኽቲ ብምዃን ኣብ ሓያሎ ጽላታት እወታዊ ውጽኢታት ምምዝጋባ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ኤርትራ፣ ምስ መሽእርኽቲ ብምዃን ኣብ ሓያሎ ጽላታት እወታዊ ውጽኢታት ምምዝጋባ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 17 July 2017

John Ging

ኤርትራ፣ ምስ መሽእርኽቲ ብምዃን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሓያሎ ጽላታት እወታዊ ውጽኢታት ምምዝጋባ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፈጸመ ሓላፊ ምውህሃድ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ጆን ጊንግ ገሊጹ።

ንሱ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ኒው ዮርክ ንማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር፣ ከም ኣካልይ ናይ ሰቶታት ሚልዮንዮም ካብ 2013 ክስብ2016 ኣብ ዝተሰላሰሉ መደባት፣ ብፍላይ ኣብ ጽላት ጥዕና እወታዊ ውጽኢታት ከምዝተመዝገበ ኣረዲኡ።

ኣብ ጉዳይ መንእሰያት፣ ስደት፣ ኣድልዎ ጾታን ሰብኣዊ መሰላትን ብምትኳር ካብ 2017 ክሳብ 2021 ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ክስርሓሎም መደባት ዝተሓንጸጹ ፕሮጀክታት ምህላዎም ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መሻርኽቲ ብምዃን ኣብ መዳይ ጥዕና ብፍላይ ኣብ ምቕናስ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ኣብ እዋን ወሊድን ሕማም ዓሶን እወታዊ ውጽኢታት ከምዝግብ ከምዝኸኣለ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

===================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0