ቁጠባዊ ቅልውላው ሱዳን፣ ድሕሪ ምቕያር ስርዓት ኣልበሽር እውን ገና የንቆልቁል ኣሎ

Radio Erena: 19 January 2020

ቁጠባዊ ቅልውላው ሱዳን፣ ድሕሪ ምቕያር ስርዓት ኣልበሽር እውን ገና የንቆልቁል ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ምንቁልቋል ሸርፊ ፓውንድ ሱዳን ብመንጽር ዶላር፣ መንቀሊኡ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ ነቲ ድሮ ብሕሱም ተሃስዩ ዝጸንሐ ቁጠባ’ታ ሃገር ግና ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ ከምዘሎ ተንተንቲ ቁጠባ’ታ ሃገር ገሊጾም።

ራድዮ ዳባንጋ ብወገና ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ፣ ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ብዝተዓጻጸፈ ይንህር ከምዘሎ ኣመልኪታ። ነበርቲ ከተማ ካርቱም ንሬድዮ ዳባንጋ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ከም ሽኮር፣ ዘይቲ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ማእከላይ ወርሓዊ ኣታዊ ንዘለዎ ዜጋ ክዕድጎም ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ተበጺሑ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ሱዳን መደኒ ዓባስ፣ ውሽጣዊ ዕዳጋ ሃለኽቲ ነገራት ንምርግጋእ ቀዋሚ መምርሒ ንኽወጽእ መስርሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ ይገልጽ። እቲ መስርሕ፣ ንምቁጽጻር ናህሪ ዋጋ፣ ንግዳዊ ንጥፈታት፣ ደረጃታት ዓይነት ምህርቲ ዝኣመሰሉ ምክትታል ክገብር ምዃኑ፣ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ 8.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ሱዳን ተጸባዪ ረዲኤት ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ዋሕዲ መሰረታውያን ቀረባት መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን፣ ተላባዒ ሕማማት ንሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር የጥቅዕ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0