መንግስቲ ኢትዮጵያ 5 ደቀንስትዮ ንዝርከብኦም 65 ወተሃደራት፣ መዓርግ ወሲኹ

Radio Erena: 19 January 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ 5 ደቀንስትዮ ንዝርከብኦም 65 ወተሃደራት፣ መዓርግ ወሲኹ።

በዚ መሰረት ሽዱሽተ ሰባት ናይ ለተናል ጀነራል፣ 19 መጀር ጀነራል፣ 40 ከኣ ናይ ብርጌደር ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

እዞም መዓርግ ተወሲኾም ዘለዉ ወተሃደራውያን ሰበስልጣን፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝተሸሙ ኮይኖም፣ ካብ ኢድ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ እዮም ተቐቢሎሞ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሰራዊት ፖለቲካዊ ጸግዒ ከይሓዘ ንቅዋም’ታ ሃገር እሙን ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣዘኻኺሩ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ፣ ናይ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ዓቕማ ንምዕባይ ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን ንምሽማት ኣብ መስርሕ ከምዘላ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ኣብ እትገብሮ ዘላ ምድላው እውን ምስ ፈረንሳ፣ ሩስያ፣ ኖርወይን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0