ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ  መሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዝቀረበሉ ሕቶ፣  ስትራቴጅያዊን ከቢድን ሕቶ ስለዝኾነ፣ ካልእ ግዜ ክንዘራረበሉ ኢና ክብል መሊሱ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዝቀረበሉ ሕቶ፣ ስትራቴጅያዊን ከቢድን ሕቶ ስለዝኾነ፣ ካልእ ግዜ ክንዘራረበሉ ኢና ክብል መሊሱ

Radio Erena: 01 August 2018

Ethiopian PM

ኣብ ኣመሪካ፣ ንዜጋታቱ ሰሚናራት ዘካየድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ናይ ታርኽ፣ ናይ ሕጊን ባህርን መሰል ስለዘለዋ፣ ንስኻ እትመርሖ መንግስቲ ነዚ ክቕበል ድዩ ንዝብል ካብ ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ፣ እዚ ስትራቴጅያዊ ከብዲ ሕቶ ስለዝኾነ፣ ሰፊሕ ግዜ ክወስደልና ስለዝኽእል ኣብ ካልእ እዋን ክንዘራረበሉ እዋን ክብል ሰጊርዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ዘካትዕን ዘመያይጥን ዘይብሉ ክነሱ፣ ከም ስትራቴጅያዊ ሕቶ ወሲዱ፣ ብሰፊሕ ክንመያየጠሉ ኢና ምባሉ፣ ምስቲ ሓያሎ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ዘልዕልኦ ዘለዋ ሕቶ ዋንነት ዓሰብ ብምትሕሓዝ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይካትዕሉን ይዝትይሉን ኣለዉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲሙ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ኣይተዘራረብናን፣ ኣብ ካልእ ጉዳያት ኢና ተመያይጥና ክብል ኣቐዲሙ ዘረጋገጾ ነጥቢ፣ ህይወት 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝተኸፍሎ ጉዳይ ዶብ ከምዘይነበረን ዘየገድስን ተነጢሩ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ወደባትን ካልእን ጉዳያትን ዝኸተምዎ ምስጢራዊ ውዕላት የካትዕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ክልቲኦም መራሕቲ ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ ብድምድሙ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ደኣ ተባሂሉ እምበር ዝርዝራቱን ብናይ ግዜ መቓንን ንህዝቢ ኣይተነጸረን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0