ቀ/ሚ ሶማል፣ ብጉዳይ ምርጫን ኩነታት ጸጥታን ብዝምልከት ምስ ኣዘዝቲ ፖሊስን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ

Radio Erena: 29 September 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሑሰን ሮብለ፣ ብጉዳይ እቲ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ምርጫን ኩነታት ጸጥታን ብዝምልከት ምስ ኣዘዝቲ ፖሊስ ሃገሩን ኮሚሽነር ፖሊስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልን ከምዝዘተየ ራድዮ ዳስላን ሓቢራ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ወከልቲ ምርጫ ዞባ ሶማሊላንድ’ውን ከምዝተዘራረበ እታ ራድዮ ኣቃሊሓ።

ንሱ ምስዞም ኣካላት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙ ኣብ ዝጅምር ምርጫ ባይቶ ዞባ ሶማሊላንድ፣ ናይ ጸጥታ ጸገማት ከየጋጥም፣ በብወገኖም ሓይልታቶም ከዋፍሩ ትእዛዝ ሂቡ።

ሶማል፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ንምምራጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፣ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ስልጣኑ ከረክብ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ዝተረፎ ፕረዚደንት ፋርማጆን ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

ምትፍናንን ወጥርን ናይዞም ክልተ ኣካላት ሓደ መንግስቲ፣ እታ ሃገር ኣብ ርእሲ ዝጸንሐ ተዋሃሲ ኩነታት፣ ተወሳኺ ፍሕፍሐን ሃጓፍ ፖለቲካዊ ስልጣንን ከይፈጥር ተሰጊኡ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0