ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሱዳን ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 29 September 2021

ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሱዳን ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ዘምርሕ ዘሎ፣ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ እታ ሃገር’ዩ።

ዕላማ ዑደት ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ምምሕዳር ባይደን ንምስግጋር ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ኣማኻሪ ጸጥታ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣቐዲሙ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሱዳን ብሲቪላዊ መንግስቲ ዝመሓደር ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል እትገብሮ ዘላ መስርሕ ኣመሪካ ንምሕጋዛ ድውልቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ሱዳን፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ናብ ሲቪላዊ ግዝያዊ መንግስቲ ክትሰጋገር ትጽቢት እኳ እንተሎ፣ ንሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝመርሑ ዘለዉ ወትሃደራውያን መኮንናት ግና ዕንቅፋታት ይፈጥሩ ምህላዎም ይግለጽ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ናይ ሱዳን ዑደቱ፣ ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብን ህሉው ኩነታት እቲ ዞባን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ክዘራረብ ምዃኑ ተመልኪቱ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0