ቀጠር፣ ካብ ማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ (OPEC ) ክትወጽእ’ያ

ቀጠር፣ ካብ ማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ (OPEC ) ክትወጽእ’ያ

Radio Erena: 04 December 2018

 qatar mቀጠር፣ ካብ ኣባልነት ማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ (OPEC) ክትወጽእ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ እቲ ማሕበር ብስዑዲ ዓረብ ዝተዓብለለ’ዩ ብዝብል ምዃና ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

OPEC ኣብ 1960 ካብ ዝምስረት፣ ነዳዲ ብብዝሒ ካብ ዘፍርያ ኣባላት እቲ ውድብ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣባልነታ ክትስሕብ ቀጠር ናይ ፈለማ’ያ።

ኣብ 2019 ካብ ኣባልነት OPEC ክትወጽእ ምዃና ዘረጋገጸ ሚኒስተር ነዳዲ ቀጠር፣ እታ ሃገር፣ ነቲ ብውዕላት ናይቲ ማሕበር ተደሪቱ ዝርከብ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርብ ብዝሒ ነዳዲ ክትጥሕሶ ምዃና ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ 4.8 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ንዕዳጋ ዓለም እትቕርብ ዘላ ቀጠር ካብ ዝመጽእ ዓመት ናብ 6.5 ሚልዮን በርሚል ከተዕብዮ’ያ ወጢና ዘላ።

ዓመታዊ 77 ሚልዮን ቶን ጋዝ ዘሎ ፍርያታ ድማ ናብ 110 ሚልዮን ቶን ክብ ከተብሎ’ያ።

ቀጠር፣ ነዚ ትውስን ዘላ፣ ዋጋ ነዳዲ እናሓሰረ ብምምጽኡ፣ ኣብ ፍርያት ነዳዲ ምቑጽጻር ክግበር ዝጠለበ ናይቲ ብስዑዲ ዝተመርሐ’ዩ ዝበለቶ እማመ OPEC ብምቅዋም’ያ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድሕሪ ዝተኸስተ ምስሕሓብ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሓ ሃገራት እቲ ዞባ፣ ንቀጠር ኣብ ከበባ ብምእታው፣ ቁጠባዊ ጸቕጥን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎን ንምፍጣር ይሰርሓ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጺሉ ዘሎ ከበባ ንምእላዩ ስለዘይተኻእለ ድማ’ያ ቀጠር ካብ OPEC ንምውጻእ በይናዊ ተበግሶ ወሲዳ ዘላ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0