ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ጽገናዊ ለውጥታትን ክዘራረብ’ዩ

ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ጽገናዊ ለውጥታትን ክዘራረብ’ዩ

Radio Erena: 03 December 2018

Tibor Nagy

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ቲቦር ናጂ፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ጽገናዊ ለውጥታትን ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብዘይካ ኣብዞም ጉዳያት፣ ድሕሪ ምእሳሮም ንልዕሊ 16 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ነበርን፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ንዋት ምዕዳጉን ዝብሉ ኣርእስታት’ዩ ከልዕሎም ትጽቢት ኣሎ።

ንሱ ናብ ኢትይጵያ ድሕሪ ምእታዊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ኤርትራ ዝካየድ ርክብ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ንሓያል ዓመታት ሻሕኪሩ ዘሎ ዝምድናኣ ከመሓይሽ ተስፋ ኣንቢሩ።

እዚ ናብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ኤርትራን ምብጻሕ ዘካየድ ዘሎ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፣ መንግስቲ ኤርትራ እወታዊ ለውጥታት ከየርኣየ እገዳ ክልዓል የብሉን ዝብል መርገጺ ሒዙ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ስም ኢትዮጵያ ሰላም ተጀሚሩን እገዳ ድማ ተላዒሉ እኳ እንተሎ፣ እቲ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ለውጥታት ኣይገበረን።

ኣብዘን ክልተ መዓልታት ናብ ኣስመራ ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ቲቦር ናጂ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘካይዶ ርክብ ድማ እዚ ነጥብታት እዚ ክዘራረብሉ ምዃኖም ይጥቀስ።

================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0