ቀይሕ ባሕሪ፣ 1.2 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና ንልዕሊ 2 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ላሕኵ ከምዘጋጠማ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 December 2019

ቀይሕ ባሕሪ፣ 1.2 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት ዋንነታ ዘይተረጋገጸ መርከብ፣ ሓደጋ ላሕኵ የጋጥማ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሑቲ፣ እታ መርከብ ዋንነቱ ምዃና ብምጥቃስ፣ ነቲ ነዳዲ ከየራግፎ፣ ስዑዲ ዓረብ ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ስግኣት ከምዝኾኑ ይጠቅስ።

መንግስቲ የመን ብወገኑ እታ መርከብ ዋንነቱ ብምዃና ብምሕባር፣ ብሰንኪ ሑቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ከጸግዓ ከምዘይክኣለ የመልክት።

እታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፣ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ነዳዲ ከተልሑኽ ጀሚራ ከምዘላ ዘመልከተ ወኪል ኣልጀዚራ ካብ የመን ብወገኑ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ግብረ መልሲ እንተዘይህቡ፣ ከቢድ ብከላ ኣከባቢ ክስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0