ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ፣ ንኢትዮጵያ 2.9 ቢልዮን ዶላር ክምድብ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ

Radio Erena: 16 December 2019

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፣ ንኢትዮጵያ ኣስታት 2.9 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝን ልቃሕን ክምድብ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

እቲ ፊናንስያዊ ትካል፣ ነዚ ዘፍለጥ፣ ክኢላታት ቁጠባ እቲ ትካል ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየድዎ ዓሙቝ መጽናዕትን ገምጋም’ዩ።

ብመሰረት እቲ ንሳቶምን ዘቕረብዎ ገምጋም፣ ምርግጋእ ስኢኑ ንዘሎ ግዙፍ ቁጠባዊ መሓውር ወይ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምትዕርራይ፣ ናይ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ድጋፍ የድልዮ።

እቲ ገንዘብ፣ ብመልክዕ ልቃሕን ሓገዝ ካብቲ ፊናንስያዊ ትካል ንምርካቡ እማመ ቀሪቡ።

ቦርድ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ድሕሪ ዘይዶ ኣኼባ፣ ኣብ ዝሓጸረ ውሳኔ ክወሃበሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ 52.57 ቢልዮን ዶላር (1.5 ትሪልዮን ብር)፣ ውህሉል ዕዳ ከምዘለዋ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ገንዘብን እታ ሃገር የረጋግጽ።

እቲ 26.93 ቢልዮን ዶላር ካብ ወጻኢ ሃገራትን ፊናንስውያን ትካላትን ዝተዋህለለ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ 25.6 ቢልዮን ዶላር ድማ ካብ ናይ መንግስቲ ባንክታት ዝተሳሕበ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0