ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ዞባዊ ረጽሚ ይሰጋገር ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 30 December 2020

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምትፍንናን ረጽሚን፣ ናብ ምሉእ እቲ ዞባ ይሰግር ምህላዉ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮያን ሱዳንን፣ ድሕሪ ዝተራእየ ለውጢ፣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ብምልኪን ውግእን ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ተስፋ ተራእዩዎ እኳ እንተነበረ፣ ክልተ ዓመታት ከይመልአ፣ ካብቲ ዝነበሮ ናብ ዝበኣሰ የንቆልቁል ምህላዉ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ዝቕርብ ዘሎ ትንታነታት፣ ብፍላይ እታ መስሕብ ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ትካላት ኮይና ዝጸንሐ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩሉ ኩንርዓታ ብዝተኸፈት ናይ ብሄር ግጭትን ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኵናትን፣ ንዝመጽእ ዓመታት ኣውፈርቲ ቁልሕ ምስ ዘይብሉወን ሃገራት ክትስራዕ ተኽእሎ ኣሎ።

ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ቃራና መንገዲ እትርከብ ሱዳን’ውን፣ ብልፍንቲ መሰጋገሪ ኣቑሙ ዘሎ ወትሃደራዊ ወገን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ወገን ብሰላም ከሰጋግርር ድዩ ኣይፋሉን ካልእ ዘሰክፍ ክስታት ናይቲ ዞባ’ዩ።

ንኣስታት 30 ዓመታት ብምልኪን ሕሱም ድኽነትን ዝግረፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ዓለምን ምዕባሊኣን ተገሊሉ፣ እቲ ዕድል ዝገበረ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብዝልኣኽ ሓዋላ ትልኽ እናበለ፣ ተስፋ ደሞክራሲን ውሕስ ምስግጋር ስልጣንን ጸልሚትዎ ይነብር ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ወትሃደራዊ መናሃርያ ሓያላን ሃገራት ኮይና ዘላ ጂቡቲ፣ ናይ ምርጫ መደባት ሰሪዓ እኳ እንተላ፣ ን21 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒኣ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ስልጣን ክገድፍ ከምዘይኮነ ብኣግኡ ዝተፈልጠ ኮይኑ ኣሎ።

ሶማል’ውን፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝቐጸለ ዘይርጉእ ኩነታታን ፍኑቅ ምንቅስቓስ ሽበራውያን ጉጅለታትን፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ተወሳኺ ሻቕሎት’ዩ።

ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ’ቲ ዘለወን ውሽጣዊ ኩነታት ምልኪ፣ ድኽነትን ግጭታትን፣ ንሓድሕደን ዘይቃደዋን ብዶብን ካልእን ኣሳቢበን ተደጋጋሚ እዋን ረጽምታት የካይዳ’የን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0