መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከራት ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ መግቢ መሻርፍ ክዕድል ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 30 December 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከራት ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብዚ ወርሒ’ዚ ኣትሒዙ ናይ መግቢ መሻርፍ ክዕድል ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ካልእ ተወሳኺ ቀረባት ንምድላው’ውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረብ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዛጊት ዝተዋህቦም ናይ መግቢ መሻርፍ ከምዘየለ’ዮም ዝጠቕሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ ኵናት ሃዲሞም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣትዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እናገፈፈ’ዮ ናብ መዓስከራት ዝመልሶም ዘሎ።

ህወሓት፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንፖለቲካዊ ዕላማ ክትቐመሎም ጸኒሑ ዝበለ እቲ መንግስቲ፣ መዓስከራት ስደተኛታት ግቡእ ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ዝርከበለን ማእከላት ኮይነን ከምዝቖማ ገሊጹ።

ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝጸንሑ ልዕሊ 90 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ወዲቖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ስእሊ- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0