ሽዱሽተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝተሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዛዚሙ

ሽዱሽተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝተሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዛዚሙ

Radio Erena: 04 January 2019

red sea countries

ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሽዱሽተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ካብ 30 ታሕሳስ 2018 ክሳብ 3 ጥሪ 2019፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሓይልታት ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ፣ የመን፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ዮርዳኖስን ተሳቲፎም።

ሶማል’ውን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ስለ እትርከብ፣ ኣብቲ “ቀይሕ ማዕበል 1” ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ዕድመ ከምዝቐረበላ ይግለጽ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብዚ ንሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዘሳተፈ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣበርክቶ ክህልዋ እኳ እንተሓተተት፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከም ኣካል ሓንቲ ሶማል ስለዝርእያ፣ ንበይና ክትሳተፍ ከምዘይፈቐደ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ የረድኡ።

ብምዕራባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዝነውሐ ገማግም እትውነን ኤርትራ፣ ኣብዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ ሓድሽ ምትእኽኻብ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዘይተሳተፈትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ስዑዲ ዝመራሒተን ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጸላዊ ተራ ክህልወን ሓድሽ ተበግሶታት ይወስዳ ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን ክህልዋ እትደልዮ ጽልዋ፣ ቁጠባን ቱሪዝምን ንምዕባይ’ውን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓዳስ ከተማ ኣብ ምህናጽ ከምእትርከብ ይግለጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0