ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ልኡኽ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ልኡኽ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ

Radio Erena: 04 January 2019

wangyi

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፣ ዋንግ ዩ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ሚኒስተር ብሓሙስ 3 ጥሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ተጀሚሮም ዘለዉን ብሕጂ ዝትግበሩን ፕሮጀክታትን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ዘትዮም።

ቻይና፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፣ ኣብ ምህናጽ ጽርግያ፣ ዲጋ፣ መንገዲ ባቡርን ካልእ ናይ ህንጻ መደባትን ዝውዕል ንኢትዮጵያ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕን ሓገዝን ከምዘበርከተትላ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይጠቕሱ።

ልኡኽ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምርኻብ ክዘራረብ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0