ሶማል፣  ኣብ መኪና ቦምብ ብምጽዋድ ኣስታት 600 ሰባት ዝቐተለ ክሱስ ብሞት ተቐጺዑ

ሶማል፣ ኣብ መኪና ቦምብ ብምጽዋድ ኣስታት 600 ሰባት ዝቐተለ ክሱስ ብሞት ተቐጺዑ

Radio Erena: 16 October 2018

somalia car bኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣስታት 600 ሰባት ኣብ ዝቐተለ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዝጸንሐ ሶማላዊ፣ ትማሊ ብሞት ተቐጺዑ።

እቲ ሓሰን ዓደን ኢሳቕ ዝተባህለ ሶማላዊ፣ ንሓንቲ ኣብተን ቦምብ ዝተጻውደን መካይን መሪሑ ናብ ማእክለ ዕዳጋ ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ሓደ’ዩ።

ንሱ ብቅትለት ኣማኢት ሶማላውያን ሰባትን ሽበራዊ ንጥፈታትን ተኸሲሱ ንሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ዕለት ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሺኑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣልሸባብ፣ ኣብ ድሮ እታ ዕለት ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከምዘካየደ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። 

በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተነጸረ ድማ ቆሲሎም።

ዞባውን ኣህጉራውን ሓይልታት፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቐንዐ መጥቃዕታት ካብ ዝጅምሩ ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ናይ ሶማል ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0