ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን  ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ቺኩንግያ ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ተገሊጹ

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ቺኩንግያ ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 October 2018

chikungunya mኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን፣ ብሰንኪ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ቺኩንግያ ካብ ክልቲኡ ወገን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብወገን ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ኣርባዕታ ዓሸር፣ ታላታ ዓሸር፣ ዓሊግድር፣ ግርባ፣ ተሰናይን ከባቢኡን በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ኣሽሓት ሰባት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ምስዚ ሕማም ብዝተሓሓዘ 11 ሰባት ከምዝሞቱ’ዮም ዝጠቕሱ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ኣቐዲሙ ኣሚንሉ’ዩ።

እንተኾነ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ምህላዎም ኣይገለጸን።

ብወገን ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ከሰላ ልዕሊ 15 ሽሕ ግዳያት እቲ ሕማም ከምዘለው እቲ ምምሕዳር ከረጋግጽ እንከሎ፣ 10ታት ሰባት ምማቶም ከኣ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ኣመልኪተን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብኣነስተይቲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ቺኩንግያ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ምልክታት ዘለዎ ኮይኑ፣ ቅልጡፍ ሕክምና እንተዘይረኺቡ ካብ ስንክልና ክሳብ ሞት የብጽሕ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0