ሶማል፣ ኣብ ሓደ ሰሙን ሰለስተ ደቂንስትዮ ብሰብኡተን ተቐቲለን፣ ዝተቆጠዓ ደቂንስትዮ ተቓውሞ ኣለዓዒለን

Radio Erena: Wednesday, 14 February 2024

ኣብ ሶማል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሰለስተ ደቂንስትዮ ብሰብኡተን ከምዝተቐትላ፣ ንጸብጻብ ፖሊስ እታ ሃገር ብምጥቃስ፣ መርበባት ዜና እታ ሃገር ከቓልሓየን ቀንየን።

እተን ክልተ ካብተን ብመጻምድተን ዝተቐትላ ደቂንስትዮ፣ ነፍሰጾራት የን ኔረን።

ጓል 28 ዓመት ሉል ዓብደልዓዚ ጃዚረን፣ ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑያ ኔራ። ቀዳማይ በዓል ቤታ ብሞት ድሕሪ ምፍላዩ ድማ ያ ምስቲ ላምባ ብምንስናስ ብሓቂ ኣቓጺሉ፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብብ ዝቐተላ ካልኣይ ሰብኣይ ተጻሚዳ።

ነፍሰ ጾር ምንባራ ድማዩ ተመልኪቱ።

ቀታሊ፣ ኣልሸባብ ናብ ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት ሃዲሙ ክስወር እኳ እንተፈተነ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሃድን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወዩ ተመልኪቱ።

ፉስ ማሕፉድ መሓመድ ውን ጓል 22 ዓመት ኮይና፣ ንራብዓይ ቆልዓ ነፍሰጾር እንከላያ፣ ብበዓል ቤታ፣ ብካራ ተመታቲራ ሂወታ ሓሊፉ።

ዛጊት ስማን ምልኡ መንነታን፣ ዘይጠቐሳ ሳልሰይቲ ኣደውን፣ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ብበዓል ቤታ ብጥይት ተቐቲላ ምህላዋ ተቀቲላ ኣላ።

ራብዐይቲ ኣደውን፣ በዓል ቤታ ላምባን ክርቢት ሒዙ ናብ ገዛ ድሕሪ ምእታው፣ ጎረባብቲ ብዝገበርዎ ቅልጢፍ ምትእትታው፣ ብሓቂ ተቓጺላ ካብ ምሟት ድሒና ኣላ።

እዚ ፖሊስ ዝመዝገቦ ኣርባዕተ ፍጻሜታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንዩ።

እዚ ዜና ብፖሊስ ዝቐረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ዜና ቅትለት ደቂንስትዮ ብሰብኡተን ዘቆጠዐን ደቂንስትዮ ሶማል፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ብምትእኽኻብ ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ይርከባ።

እዚ ኣብዚ ሳልስቲ ዝጀመረ ተቓውሞ ኣዴታት ዝበዝሐአን ደቂንስትዮ ሶማል፣ እተን ሰለስተ ግዳያት ፍትሒ ክሳብ ዝረኽባ ክቕጽል ምዃኑ፣ ንኣደ መንበር፣ ማእከል ምዕባለ ደቂቅንስትዮ ዝተባህለ ትካል፣ ማርያም ታካል ሑሰን ብምጥቃስ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ደቂንስትዮ ሶማል፣ ስቕ ክብላየን ዝግደዳዝበለት ማርያም ድምጸንን ድምጺ እተን ግዳያትን ክሳብ ዝስማዕ ተቓውአን ደው ከምዘይብል ሓቢራ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0