ሶማል፣ ንመጀመርያ እዋና፣ ብቱርኪ ዝሰልጠነ ሰራዊት ናብ ግንባራት ኣዋፊራ

Radio Erena: 28 January 2020

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብቱርኪ ዝሰልጠነ ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት፣ መናሃርያ ኣልሸባብ ናብ ዝኾና ደጀናት ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ።

እቶም ብድሩዓት መካይን ዝተሰነዩ ኣእሚት ወትሃደራት፣ ብኣልሸባብ ተታሒዙ ንዝርከብ ስትራቴጅያዊ ከባቢታት ንምቑጽጻር መጥቃዕቲ ከካይድ’ዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ናብ ግንባራት ከዋፍርእ እዚ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

እቲ ሰራዊት፣ ብሰንበት 26 ጥሪ ናብ ግንባራት ኣብ ዝተፋነወሉ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ብኣካል ተረኺቡ፣ ናይ መተባብዒ ቃል ከምዘስምዐ ጋሮወ ኦንላይን ጠቒሳ።

ሰራዊት ሶማል፣ ንፈለማ እዋኑ ናብ ግንባራት ኣብ ዝተፋነወሉ ዕለት፣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓቡላሂ መሓመድ፣ ኣብ ኣስመራ ንዝካየድ ርክብ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ንምስታፍ ካብታ ሃገር ነቒሉ።

መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ብሰኑይ 27 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ዘተ፣ ጉዳይ ጸጥታ ሶማል ሓደ ካብ ነጥብታት’ዩ ኔሩ።

ኣልሸባብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማልን ደገፍቲን መጥቃዕታቱ የሐይሉ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0