ኢትዮጵያ፣ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ናብ 2.5 ቢልዮን ዶላር ኣንቆልቝሉ

Radio Erena: 28 January 2020

ኢትዮጵያ፣ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ናብ 2.5 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቆልቆለ ዋዕላ ንግድን ልምዓትን ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD) ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 20 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ፣ ንወፍሪ ሃገራት ዓለምና ዝገልጽ፣ መበል 33 ሕታም “ኢንቨስትመንት ትረንድስ ሞኒተር” መሰረት፣ ኢትዮጵያ ኣብ 2016፣ ኣስታት 4.6 ቢልዮን ዶላር ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ክትዕድም ምኽኣላ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ’ዩ ተመዝጊቡ።

እንተኾነ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ፈለማ ናብ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ናብ 2.5 ቢልዮን ዶላር ጎዲሉ ይርከብ።

60% ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፊሪ ወይ foreign direct investment ኩባንያታት ቻይና ኣብታ ሃገር ዘካይድኦ ዘለዋ ንጥፈታት’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝዓበየ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዘመዝገባ ሃገራት ተባሂለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ዝተሰርዓ ሃገራት፣- ኣንጎላ፣ ግብጺ፣ ናይጀርያ ጋናን ኢትዮጵያን’የን።

ኢትዮጵያ፣ ከም መገጣጠሚ መካይን፣ ፋብሪካታት ኣጭርቅቲ፣ ሕርሻታት ቡንን ፍዮርን ኣብ ዝኣመሰሉ ወፍሪ ዝነጥፉ ዓበይቲ ናይ ዓለምና ኩባንያታት የዒንቶም ከንብሩላ ምስ ምጽንሖም፣ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ዓመት ናብ 18 ቢልዮን ዶላር ክዓቢ ከምዝኽእል’ዩ ክግመት ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተፈጥረ ናይ ብሄር ግጭታትን፣ ጸጥታ እታ ሃገር ብምፍራሱ፣ ሓያሎ ኩባንያታት መደበን ከምዘደስከላ ይግለጽ።

ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየዱ ግጭታት፣ ሓያሎ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ከምዝተቓጸለን፣ ኣብዘን ትካላት ዝተዋፈሩ ብዙሓት ወጻእተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0