ሶማል፣ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ብጉዳይ ቅትለት ናይታ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ኣፍልጦ ኔሩዋ ዝተባህለት ኣባል ስለያ ተሰሓሒቦም

Radio Erena: 08 September 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሑሰን ሮበለን፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆን፣ ብጉዳይ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐቲላ ዝተረኽበት፣ ኢክራን ታሕሊል ፋራሕ ዝተባህለት ኣባል ስለያ እታ ሃገር ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንሓላፊ ስለያ እታ ሃገር ፋሃድ ያሲን፣ ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ንዝሃቦ ትእዛዝ ስለዘየተግበረ፣ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምስጓግዩ ምስ ፕረዚደንት ኣብ ተወሳኺ ምስሕሓብ እትዩ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብካልእ ፕረዚደንት ክሳብ ዝትካእ፣ ካብ ብዙሕ ንጥፈታት መንግስቲ ዛሕቲሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ንስጉምቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ቅዋዋሚ ኣይኮነን’ ክብል ተቓዊምዎ።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል፣ ፋሃድ ያሲን ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ኣለዉ ኢሉ ዝሞጎተ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብዛዕባ’ቶም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ዝተባህሉ ወትሃደራት ሶማል ብዝምልከት ብምስጢር ተታሒዙ ክተርፍ’ዩ ዝደሊ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ኔሩዋ ዝተባህለት፣ ክኢላ መርበብ ቴክኖሎጂ ዝኾነት፣ ጓል 24 ዓመት ኣባል ስለያ ሶማል፣ ካብ 26 ሰነ ተጨውያ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ’ያ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ተቐቲላ’ያ ተረኺባ።

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ድማ፣ ምጭዋይን ቅትለትን እታ ኣባል ስለያ ንኣልሸባብ’ዩ ኣሰኪምዎ።

ኣልሸባብ ግና ነታ መንእሰይ ከምዘይጨወያን ከምዘይቐተለን ኣረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝነበሩ ወትሃደራት ሶማል ሃዲሙ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ መንእሰያ፣ ንማዕከናት ዜና ሓበሬታ ክህብ ድሕሪ ምጅማሩ፣ “ምስ ዓርኩ ተባኢሱ” ተባሂሉ ተቐቲሉ ተረኺቡ’ዩ።

ካብ 2019 ኣትሒዞም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምስታፎም ኣማኢት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ ጋረወ የመልክት።

ኣዴታት ሶማል፣ ‘ሃለዋት ደቕና ኣፍልጡና’ ብምባል ብዘካየድኦ ኣድማን ተቓውሞን፣ መንግስቲ ሶማል፣ ቁጽሮም ዘይገለጾም መንእሰያት ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ ክእመን እኳ እንተተገደደ፣ ናብ ኵናት ትግራይ ምእታዎም ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይኽሕዶ።

ኣባላት ፓርላማን ህዝብን ተደጋጋሚ ሕቶታት ድሕሪ ምልዓሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለ፣ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ምክልኻል፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ዝሓቖፈት፣ ነቲ ኩነታት እተጻሪ ኮሚተ ኣቝሙ ይርከብ።

እታ ኮሚተ፣ ነቲ ኩነታት ይፈልጡዮም ንዝበለቶም ኣካላት ብምዝርራብ ጸብጻባ ኣብ እተዳልወሉ ዘለዋ እዋን ድማ’ያ፣ ብዛዕባቲ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኔርዋ ዝተባህለት፣ ክኢላ ሳይበር ቴክኖሎጂ ዝኾነት ኣባል ስለያ ሶማል፣ ተጨውያ፣ ተቐቲላ ተረኺባ።

ዝበዝሑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማል፣ ብዛዕባ ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ተኣሚኖም’ዮም።

ፕረዚደንት ፋርማጆን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 2018ድሕሪ ዝበጽሕዎ ምስጢራዊ ስምምዕ፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ በብእዋኑ ብነፈርቲን መራኽብን ዝተላእኩ ኣስታት 7 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ናብ ኤርትራ ምእታዎም’ዩ ዝንገረሉ።

ብወገን ሶማል፣ ንምልኣኽ እዞም ወትሃደራት ዝምልከት ብሓለፊ ስለያ ፋሃድ ያሲንን ንሱ ዝመረጾም ኣካላትን ጥራይ ከምዝተኻየደ’ዩ ተሓቢሩ።

እቶም ወትሃደራት ናብ ቀጠር ንስራሕ ክትልኣኹ ኢኹም ብዝብል ጉልባብ፣ ካብ ሶማል ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ’ውን ጸብጻባት ሶማል ይገልጽ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0