ሱዳን፣ ኤምባሲ ኤርትራ ክትዓጹ ከምእትኽል ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 08 September 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዓጽዎ ከምዝኽእል ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ ምግላጹ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ፣ ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕረበ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ስለያን ካልእ እቲ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ተግባራትን ስለዝተዋፈረ ምዃኑ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ ናይ መጠንቐቕታ ደብዳቤ ተላኢኹ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ምንጪ ኣሚቱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ብወገን ሱዳን ዝቐረበ መጠንቐቕታ ንመንግስቲ ሱዳን ዝሃቦ መልሲ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት፣ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንጽጻር ረብሓታት ሱዳን ደው ኢላ ዝብል ክስታት ክውሕዝ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፦ ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0