ሶማል፣ ምርጫ ዘንቀደ ዘተ ፕረዚደንትን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ብዘይፍረ ተበቲኑ

Radio Erena: 09 April 2021

ኣብ ሶማል፣ ነቲ ኣብ 8 ለካቲት 2021 ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ፣ ንምትግብራ፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሶማልን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ዝተኻየደ ዘተ፣ ሕጂ’ውን ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

እቲ ብ07 ሚያዝያ ዝተኻየደ ዘተ፣ ክዕወት ዘይክኣለሉ ምኽንያት፣ ብሰንኪ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ፑንትላንድን ጁባላንድን ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ዑስማን ዱበ ወቒሱ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ‘እዞም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ምርጫ ክካየድ ድሌት ከምዘይብሎም፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንህዝቢ ንጹር ጌሩ ኣሎ።’ ክብል ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ኣብ 8 ለካቲት 2021 ስልጣኑ ከምዘብቅዐ ዝገልጹ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ብወገኖም፣ ኣውራ ዕንቕፋት ናይቲ ምርጫ ምዃኑ’ዮም ዝኸስዎ።

ብፍላይ መራሒ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ፣ በይናዊ ምርጫ ከካይድ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኮሚተ ምርጫ ከቕውም ንዘቕረቦ እማመ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣመሪካ እትርከበን መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማል፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምርጫ ከካይድ ጸቕጢ ይገብራሉ ምህላወን ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ምርጫ ንምክያድ ዝተጋብአ ተደጋጋሚ ዘተ፣ ብዘይ ፍረ’ዩ ተበቲኑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0