ኣመሪካን ሱዳንን፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ተመያይጠን

Radio Erena: 09 April 2021

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ግጭትን መዕለቢ ዘይረኸበ ምስሕሓብ ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ ተመያይጡ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ስምምዕ ሰላም ሱዳንን ኣብ ዝብል ዛዕባ ከምዝዘተዩ ኣፈኛ ናይቲ ክፍሊ ነድ ፕራይስ ኣፍሊጡ።

ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ምስ ግብጺን ኢትዮጵያን እተካይዶ ዘተ፣ ኣመሪካ ብመንጎኝነት ክትሳተፍ’ያ ትሓትት ዘላ።

ግብጺ፣ ንሱዳን ብምድጋፍ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ክሳተፉ ክትዕድም እንከላ፣ ኢትዮጵያ ግና፣ ራብዓይ ኣካል ዘይብሉ፣ ስሉሳዊ ዘተ ጥራይ ክቕጽል’ያ ትጠልብ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርርብ ዘካየደ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይል ምፍሻሉ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0