ሶማል፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብእትገብረላ ሓገዝ ተሰንያ፣ ሓይሊ ኣየራ ዳግም ከተባራብሮ ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: 30 January 2022

ሶማል፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብእትገብረላ ሓገዝ ተሰንያ፣ ሓይሊ ኣየራ ዳግም ከተባራብሮ ምዃና ገሊጻ።

ሶማላዊ ኣባል ሓይሊ ኣየር ብርጌደር ጀነራል ዓሊ መሓመድ ማሕሙድ፣ ንኤርፎርስ መጋዚን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ካብ ዝምስረት ናይ 75 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ሓይሊ ኣየር፣ ምሉእ ብምሉእ ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ምጽንሑ ድሕሪ ምምልካት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣመሪካ ብእተበርክቶ ሓገዝ ዳግም ብሓድሽ ቴክኖሎጂ ክምስረት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሶማል፣ ነኣሽቱ ጽገናታት ተገይሩሉ፣ ሰራዊት ኣመሪካን ዓቃብ ሰላምን ክግልገሉሉ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ 1954 ዝተመስረተ ሓይሊ ኣየር ሶማል፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብብቕዓቶም ተወዳደርቲ ዝኾኑ ኣብረርቲ ሚግ 17ን፣ ሚግ 21ን፣ ከምዘፍረየ ይንገረሉ።

ብርጌደር ጀነራል ዓሊ መሓመድ ማሕሙድ ኣብ ቃለመጠይቑ፣ ከም ቀዳማይ ዕማም ተታሒዙ ዘሎ፣ ምስልጣን ኣብረርቲ፣ ተክኒሻን፣ ምቁጽጻር ኤር ትራፊክ ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያ ምዃኑ ሓቢሩ።

ነዚ ብምትሕብባር ኣመሪካን ሶማልን ዝቐውም ሓይሊ ኣየር ብዝምልከት ተሓቲቱ፣ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀጥታዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ። እንተኾነ እቲ ማእከላይ እዚ፣ ንመንግስቲ ሶማል ዝገብሮ ምትሕብባር ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ጠቕሊሉ ብምውጻእ፣ ናብ ኬንያ ከምዝግዕዝ ተገይሩ እዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0