ኤርትራ፣ ‘ረቋሒታት ሕክምና’ ከተማልእ ብዘይምኽኣላ ካብ ዙር ርዋንዳ 2022 ተኣጊዳ

Radio Erena: 28 January 2022

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ: ኣብ’ቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝሰላሰል መበል 14 ዙር ርዋንዳ ከም ዘይትሳተፍ ተፈሊጡ::

ብመሰረት ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ 2022 ኣብ ወግዓዊ ማህደር ማሕበራዊ ሜድያ ዙር ርዋንዳ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ: ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ: ብኣዳለዊት ኮሚቴ ናይ’ቲ ዙር ዝተሓተተ ረቋሒታት ሕክምና ናይ’ቲ ውድድር ክተማልእ ስለ ዘይከኣለት እያ ንኽትካፈል ዘይተፈቕደላ::

እቲ ዘይተማልአ ዝተባህለ ረቋሒታት ጥዕና እንታይ ምዃኑ ኣብ’ቲ ወግዓዊ ማህደር ማሕበራዊ ሜድያ ብንጹር’ኳ እንተዘይተገልጸ: ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ስለ ዘይወሰዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ይግመት::

ኤርትራ እታ እንኮ ንዜጋታታ ተጠቕም ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዘይገበረት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ብዩ.ሲ.ኣይ ናይ 2.1 መዐየሪ ዝተዋህቦ ዙር ርዋንዳ፡ ምስ ላትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዙር ጋቦን፡ ብዕብየቱ ኣብ ኣፍሪቃ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ውድድር እዩ።

ዙር ርዋንዳ ንብዙሓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወዳደሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብካልኦት ናይ ደገ ዓበይቲ ክለባት ንኽጥመቱን ኣቓልቦ ክረኽቡን በሪ ክኸፍት ብምጽንሑ፡ ብኩራት ኤርትራ ኣብ’ዚ ውድድር ዓቢ ነዞም ተቐዳደምቲ ዓቢ ክሳራ እዩ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010፡ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020 ንዙር ርዋንዳ ተዓዊቶሙሉ ኔሮም።

ስእሊ፣ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0