ሶማል፡ ኣብ ሞቓድሾ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 10 ደዪቡ

Radio Erena: 04 July 2021

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ናብ 10 ደዪቡ።
ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዓርቢ 2 ሓምለ ኣብታ ከተማ ብዘካየዶ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 15 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ብብዝሒ ወተሃደራዊ ሓለዋ ዝግበረሉ ክፋል ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ሓደ ቤት ሻሂ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ፍሉይ ዒላማ ኔሩዎ እንተኾይኑ ኣይተሓበረን። እንተኾነ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ።
ምርጫ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፣ ጸጥታዊ ውሕስነት ህዝቢ ከረጋግጽ ብዘይምኽኣሉ ከቢድ ብድሆ ይጽበዮ ምህላዉ ይንገር።
እዚ ብዓርቢ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ናይ ሜትሮታት ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ቤት ሻሂ ምፍጻሙ ንርእሱ፣ ርኡይ ኣብነት ምዃኑ ተቓወምቲ’ቲ መንግስቲ ይገልጹ።
ኣልሸባብ፣ ብዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ሶማልን ተጸሪጉ ቅድሚ ምውጽኡ፣ ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ንዝበዝሐ ክፋል ከተማ ሞቓድሾ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0