ሶማሊላንድ፣ ወደብ በርበራ ናይ ምስፋሕ መደብ ተዛዚሙ

Radio Erena: 20 August 2020

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝርከብ ወደብ በርበራ፣ ብናይ ዱባይ ኩባንያ DP World ክካየደሉ ዝጸንሐ ናይ ምጽጋንን ምስፋሕን መደባት ተዛዚሙ።

እቲ ወደብ ናይ ኣስታት 250 ሽሕ ትርብዕት ሜተር ስፍሓት እዩ ተወሲኺሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወደብ በርበራ ዓመታዊ ኣስታት 500 ሽሕ ኮንተይነራት ክጽዕንን ከራግፍን ይኽእል።

እዚ ካብ 2017 ኣትሒዙ ብኣስታት 442 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ክሰፍሕ ዝጸንሐ ወደብ በርበራ፣ ቀንዲ ጠመትኡ ናብ ኢትዮጵያ’ዩ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 95% ኣገልግሎታት ወደብ ካብ ጂቡቲ ጥራይ’ያ ትረክብ ዘላ።

ንወደብ በርበራ ንኣስታት 30 ዓመታት ከመሓድሮ ውዒል ጌሩ ዘሎ DP World፣ ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዓመታዊ 10% ካብ ኣታዊታት ወደብን ተወሳኺ5 ሚልዮን ዶላርን ክኸፍሎ’ዩ ተሰማሚዑ።

DP World 65% ኣገልግሎታት ወደብ በርበራ ክውንን እንከሎ፣ ዝተረፈ ድማ መንግስታት ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ክውንንዎ ምዃኖም ይሕበር።

ይኹን’ምበር ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ምስታ ርእሰ ምምሕዳር ዝካየድ ናይ ባሕሪ ይኹን ናይ መሬት ስምምዓት ንሉኣላዊነት ሶማል ዝጥሕስ ምዃኑ’ዩ ዝወቕስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0