“ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት’ያ” ዝበለ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ

Radio Erena: 19 August 2020

“ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት’ያ” ዝበለ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እ ሃገር፣ ኣምባሳደር ሓይደር ባዳዊ ሳድቅ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰጎገ ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ንምምስራት ዝጀመረቶ መስርሕ ከምዘየለ ብምጥቃስ፣ እቲ ኣፈኛ ዝሃቦ መግለጺ ካበይ ዝመንጨወ ምዃኑ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ነበር ኣምባሳደር ባዳዊ፣ ብ18 ነሓሰ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ’ዩ፣ ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ንምምስራት ትሰርሕ ከምዘላ ዝጠቐሰ።

እስራኤል ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ታሪኻዊ ዝምድና ድሕሪ ምምስራት፣ ዝቐጸለ መስርሕ ምስ ሱዳን ክኸውን’ዩ ዝብል ግምታት ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዋን’ዩ እቲ ኣፈኛ ነዚ መግለጺ ሂቡ።

መራሕቲ ሱዳንን እስራኤልን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኡጋንዳ ፈላሚ ርክብ ከምዘካየዱ ብማዕከናት ዜና እስራኤል ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0