ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን ዝጀመርኦ ደብዳብ ብጽዑቕ ይቕጽል

ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ የመን ዝጀመርኦ ደብዳብ ብጽዑቕ ይቕጽል

Radio Erena: 27 March 2015

saudyemeatt

ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ የመን ናይ ነፈርትን ሚሳይላትን ደብዳብ የካይዳ ኣለዋ።

ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንመላእ እታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ከተማ ዓደን ኵናት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን፣ ስዑዲ ሉኣላውነት የመን ብምጥሓስ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ድሕሪ ምጅማራ፣ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ’ውን ኣብ ጎና ደው ብምባል፣ ነፈርቲ ውግኣተን ልኢኸን ኣለዋ።

ግብጺ’ውን ነቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክትጽንበሮ እንከላ፣ ሱዳን’ውን ነቲ ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

 

ኣመሪካ’ውን ነቲ ብስዑዲ ዝተመርሐ ኣንጻር ተቓወምቲ ሑቲ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ወፍሪ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዋ ብምግላጽ ኣብ ስለያን ካልእ ናይ ሳትላይት ሓበሬታን ከምኡ ድማ ሎጂስቲክስ ዝኣመሰለ ሓገዝ ተበርክት ኣላ።

እዚ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣንጻር ሑቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ንገስጋስ ተቓወምቲ ሑቲ ክገትኦ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ኣብ የመን ንዘሎ ኩነታት ግና ብዝበኣሰ ዘጋድድ ምዃኑ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝገልጹ።

ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ፣ ኣብ የመን ምሉእ ስልጣን እንተሒዞም ምስ ኢራን ጥቡቕ ዝምድና ክምስረቱ ስለዝኮኑ ነታ ብእምነት ሱና እትምራሕ ስዑዲ ዓረብን ጎረባብታን ከም ዓቢ ስግኣት’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ኢራን ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒትን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳብ ካብ ምኹናን ሓሊፋ ካልእ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰደትን።

ሃገራት ዓለም ድማ ንገስጋስ ተቓወምቲ ሑቲ ብመንጽር እቲ ኣብ ባብ ኤልመደብ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ጸጥታ ሓደጋ’የን ዝርእየኦ ዘለዋ።

ተቓወምቲ ሑቲ ንከተማ ዓደንንን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ኣገደሲ ገማግም ባሕርን ንምቁጽጻር ኣብ ኵናት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ፣ ካብታ ከተማ ሃዲሙ ተሰዊሩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ትማሊ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።

==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0