ባይቶ ደቡብ ሱዳን ንዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሳልቫኪር ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

ባይቶ ደቡብ ሱዳን ንዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሳልቫኪር ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ

Radio Erena: 26 March 2015

sosuPar

ባይቶ ደቡብ ሱዳን ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሳልቫኪር ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ ባይቶ ብሰሉስ 24 መጋቢት ነዚ ዝወሰነ፣ ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይ ጸጥታ ሓደ ብምህላዋ፣ ናይ ስልጣን ምቅይያር ወይ ምርጫ ምስ ዝካየድ ተወሳኺ ሓደጋ ከስዕብ’ዩ ብዝብል ምኽንያት’ዩ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ኮሜቴታት ባይቶ እታ ሃገር ቶማስ ኩንዱ ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ካብ ኣባላት ባይቶ ዕድመ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ክናዋሕ ከምዘድመጹ ኣረጋጊጹ።

 

ንተወሳኺ 3 ዓመታት ዝናዋሕ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዘተ ሰላም ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እኹል ግዜ’ዩ ዝብል እምነት እቲ ባይቶ ከምዘሎ’ውን ቶማስ ኩንዱ ሓቢሩ።

ካብ ሱዳን ተነጺላ ኣብ 2011 ናጽነታ ዝረኸበት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ሓምለ 2015 ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ዝነበራ ውጥን ብመሰረት እዚ ሓድሽ ውሳነ ባይቶ፣ ንኻልእ እዋን ክሰጋገር’ዩ ማለት’ዩ።

ምስ ዕድመ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ዕድሚኡ’ውን ተናዊሑ ዘሎ ባይቶ እታ ሃገር ብዛዕባ ምርጫ ብዝምልከት ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ የለን።

ካብ ተቓወምቲ ወገናት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ደቡብ ሱዳን፣ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንትን ባይቶን እቲ ንምልኪ ዝዕድም ዝዕድም’ዩ ክብሉ ተቓውምኦም የስምዑ ኣለዉ።

ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩነታት እታ ሃገር ንምፍታሕ ብኢጋድን ካልኦት ኣካላት ማሕበር ሰብን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክዕወት ኣይከኣለን።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0