“ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ክንከፍት ሓጊዛትና ኣላ፣” ፕረዚደንት ጅቡቲ

“ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ክንከፍት ሓጊዛትና ኣላ፣” ፕረዚደንት ጅቡቲ

Radio Erena: 27 September 2018

iseyas and gueleh2ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ክንከፍት ሓጊዛትና ኣላ ክብል ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።

ንሱ ምስ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ዝምድና ምስ ኤርትራ ናብ ንቡር ንምምላስን፣ ነቶም ዝጸንሑ ጉዳያት ንምፍታሕ ዕቱብ ተበግሶ ንምውሳድን ስዑዲ ዓረብ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዝገበረት ሓቢሩ።

ኣውሓሲ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ፣ እቲ ኣውራ መሰረት ናይቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ምዃኑ’ውን ፕረዚደንት ገለ ኣስሚርሉ።

ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐረበ ጻውዒት፣ ንነባሪ ሰላምን ምውጋድ ግርጭታትን ዝደፍእ ስለዝኾነ፣ ብዘይዝኾነ ተቓውሞ ከምዝተቐበሎ ዝገለጸ ፕረዚደንት ገለ፣ ክሳብ መወዳእታ ክዕወት ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።

ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ግንቦት 2008 ድሕሪ ዘካየደኦ ግጭት፣ ብመንጎኝነት ኣሚር ቀጠር ንምፍታሑ ንሸውዓተ ዓመታት ዝተኻየደ ጻዕሪ ክዕወት ከምዘይክኣለ ይዝክር።

ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ድሕሪ ዝተፈጥረ ምትፍናን፣ ኤርትራን ጅቡትን ምስ ስዑዲ ዓረብ ክውግና ብምውሳነን፣ ቀጠር ነቲ ብመንጎኝነት ከተሳልዮ ዝጸንሐት መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ክልትኤን ሃገራት ዝሓለፈ ዓመት ከምዘቛረጸቶ ኣይርሳዕን።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0