ሱዳን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዘለዉ UNHCR ኣፍሊጡ

ሱዳን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዘለዉ UNHCR ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 September 2018

unhcr on sudanኣብ ሱዳን፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦምን ገና ኣብ ምሕታት ዝርከቡን ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ኣብታ ሃገር ብድምር ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝተዋህቦም ብምምልካት፣ እቶም 762 ሽሕ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ብብዝሒ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዖም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ክኾኑ እንከለዉ፣ ክሳብ’ዛ ዝሓለፈት ወርሒ፣ 118 ሽሕ ምንባሮም ጠቒሱ።

ብሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኮይኖም፣ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል UNHCR ናይ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ልዕሊ 13 ሽሕ’ዩ።

እዚ ብUNHCR ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ ነቶም ዝኾነ ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ከይሓለፉ ኣብ ከተማታት ሱዳን ዝነብሩ ስደተኛታት ኣየጠቓልልን’ዩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0