ስዑዲ ዓረብ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ቅድድም ጉያ እግሪ ደቂንስትዮ ተኻይዱ

ስዑዲ ዓረብ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ቅድድም ጉያ እግሪ ደቂንስትዮ ተኻይዱ

Radio Erena: 09 March 2018

saudi

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ቅድድም ጉያ እግሪ ደቂንስትዮ ከምዝተኻየደ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 3 መጋቢት ዝተኻየደ ቅድድም፣ 3000 ሜትሮ ዝሸፈነ ማራቶን ቅድድም ኮይኑ፣ ዝተፈላለየ ዕድመን ተሞክሮን ዘለወን1500 ደቂንስትዮ ተሳቲፈንኦ።

እታ ኣብ ጉዳይ ደቂንስትዮ ለውጥታት ተተኣታቱ ዘላ እስላማዊት ሃገር፣ ደቂንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቅድድም ንመጀመርያ እዋነን ክሳተፋ እኳ እንተኸኣላ፣ 30 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኣብ ዝግመት ዋዒ፣ ምሉእ ዓባያን ሕጃብን ተሸፊነን ጥራይ’ዩ ተፈቒዱወን።

ኣብቲ ቅድድም ቀዳመይቲ ብምዃን ዝተዓወተት ጓል 28 ዓመት መንእሰያት ሚዝና ኣልናስር፣ ኣብ 2020 ኣብ ቶክዮ፣ ጃፓን ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ንስዑዲ ዓረብ ወኪላ ኣብ ናይ ደቂንስትዮ ቅድድም ጉያ እግሪ ክትወዳደር ተስፋ ጌራ ከምዘላ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጻ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቐዲማ’ውን ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራ፣ ኣብ ስታድዮም ስፖርታዊ ንጥፈታት ክዕዘባን ኣብ ሰራዊት ክጽንበራን ዘኽእለን ሕግታት ምፍቃዳ ይዝከር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0