ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ሎሚ 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ሎሚ 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: 08 March 2018

Women for Justice

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ሎሚ 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝዝከር ዘሎ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ’ውን ብማዕረ ክሳተፋን ዘዘኻኽር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጽሞ ከም ምኽንሻብ ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ካልእ ዘቤታዊ ዓመጽን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ’ውን፣ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክዝክርኣ እንከለዋ፣ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ዝርከባ ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ብደረጃ ዓለም ቆላሕታ ክረክብ ንምጽዋዕ ኣብ ከተማ ሄግ፣ ኣብ ቀጽሪ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዳ’የን።

እዘን ኣብ ስደት ዝነብራ ኤርትራውን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ምስትኡ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከምዘተሓሳሰበን ብምግላጽ፣ ንፍትሕን ለውጥን ክቃለሳ ምዃነን የረጋግጻ።

ኣብ ኤርትራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ ብሰንኪ ፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐያ ከምዘለዋን ንገሊኤን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ግፍዕታት ከምዝወረደንን ይፍለጥ።

=============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0