ስዑዲ ዓረብ፣ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብሞት ቀጺዓ

ስዑዲ ዓረብ፣ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብሞት ቀጺዓ

Radio Erena: 06 May 2015

beheading in Saudi

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብቅትለትን ብብዝረት ዝተሰነየ ዝምታን ዝተኸሱ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓሙሽተ ዜጋታት ወጻኢ፣ ብሞት ከምዝተቀጽዑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተሪ ኣብ መግለጺኡ ካብቶም ብገበን ተኸሲሶም ንሞት ዝተፈርዱ ዜጋታት ወጻኢ፣ እቲ ሓደ ኤርትራዊ ዜግነት ክህልዎ እንከሎ፣ እቶም ካልኦት ድማ ዜጋታት ሱዳን፣ ቻድን፣ የመንን ህንድን ምዃኑም ሓቢሩ።

ዓመተ 2015 ካብ ዝፈለመሉ ኣብዚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ስዑዲ ዓረብ 71 ሰባት ብሞት ክትቐጽዕ እንከላ፣ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ግና 83 ሰባት’ያ ብሞት ቀጺዓ።

 

እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ብሞት ናይ ዝቕጽዑ ሰባት ቁጽሪ ይህውስኽ ከምዘሎ ዝእንፍት’ዩ።

ብሕጊ ሸሪዓ ከም እትመሓደር ዝንገረላ ስዑዲ ዓረብ፣ ብጾታዊ ዓመጽ፣ ብብረት ዝተሰነየ ውዱብ ዝምታ፣ ጥንቖላን ቅትለትን ዝኣመሰለ ገበናት ብሞት ከምዘቕጽ’ያ ትገልጽ።

ይኹን’ምበር መብዛሕቶም እቶም ብሞት ዝቕጽዑ ዜጋታት ወጻኢ ምዃኖም ጥራይ ከይኣክል ብመሰረቱ’ውን ምግሃስ መሰረታዊ ናይ ምንባር መሰላትን ናይ ህወይት መሰልን ዝጥሕስ’ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኹንኑ።

ኣብ ስዒዲ ዓረብ ብዘይካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ከም ምቁራጽ ኣካላትን ካልእ ከምኡ ዝኣምሰለን ፍርዲ’ውን ይሃወብ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ እታ ዝበዝሐ ህወይት ደቂ ሰብ ብሞት ዝቕጽዓላ ሃገር ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ።
=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0