ስዑዲ ዓረብ፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ብሕማቕ ኩነታት ኣሲራቶም ከምዘላ ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ኣቃሊሑ

Radio Erena: 20 December 2022

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 2017 ኣትሒዛ በብእዋኑ ዝኣሰረቶም ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብ16 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣል ኻራጂን ኣል ሹማይስን ኣብ ዝተባህለ ክልተ ኣብያተ ማእሰርቲ ብጻዕቂ ተኣሲሮም ካብ ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ኢትዮጵያን፣ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመልኪቱ።

ሞት ናይቶም 10 ኢትዮጵያውያን፣ ካብ 2021 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ ከምዘጋጠመ ዝገለጸ እቲ ትካል፣ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ፣ ኣማውትኦም ምጽራይ ክገብርሉ ተማሕጺኑ።

ስዑዲ ዓረብ ክሳብ መወዳእታ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣስታት 100 ሽሕ ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም ናይ ምስጓግ መደብ ‘ዩ ኔሩዋ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስታት 70 ሽሕ ካብኣቶም ክመልስ እንከሎ፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ግና ክሳብ እዚ እዋን እዚ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣስታት 10 ሚልዮን ናይ ወጻኢ ዜጋታ ክህልዉ እንከለዉ፣ እታ ሃገር ብዘውጽኣቶ ሓድሽ መምርሒታትን መስርሕ ‘ካፋላ’ ናይ ቪዛን፣ ንሚልዮናት ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኢቓማ ከምዝተርፉ ጌርዎም ይርከብ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ነናብ ዓዶምን ናብ ካልኦት ሃገራትን ክወጹ እንከለዉ፣ ዘይክኣሉ ድማ ብፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ተገፊፎም ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0